ዝኸበርካ ኣቦ መንበር !
ዝኸበርኩም ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን !
ዝኸበርኩም ኣምባሳደራትን ወከልቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን !
ዝኸበርኩም ላዕለዎት ሓለፍትን ወከልትን ASARECA, Tseagasc, DeSira, Vita, IFAD, FAO, ትካላት ምርምርን ላዕለዋይ ትምህርትን !
ዝኸበርኩም ዲናት ኮሌጃት !
ዝኸበርኹም ካብ ደገ ዝመጻእኩም ተሳተፍቲ !
ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ !
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ቦኽሪ ዋዕላ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን ቃለይ ከስምዕ እንከለኹ ሓበን ይስምዓኒ። እዚ መድረኽ፡ ነቲ ብሓባር ንምዕባለ ናይዚ ዓውዲ እንገብሮ ጻዕሪ ዓቢ ድርኺት እዩ።
ኩልና ከም እንግንዘቦ፡ እዚ ጽላት፡ መሰረት መነባብሮ ናይ ሚልዮናት ሓረስቶት ብምዃኑን ንሓፈሻዊ ዕብየትን ልምዓትን ሃገራትና ደራኺ ስለዝኾነን፡ ኣብ ቁጠባ ዓቢ ግደ እዩ ዘሎዎ። እንተኾነ፡ ኣብዚ በብግዚኡ ዝቀያየር ዘሎ ዓለም ክንዕወት እንተዄንና፡ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታትን ዕድላትን ብግቡእ ክንግንዘቦም ከድልየና እዩ።
ዝኸበርኩም ተጋባእቲ
ሎሚ ተጋቢእናሉ ዘሎና ምኽንያት፡ ንልምዓት ጸባን ውጽኢቱን ንምድንፋዕ ብሓባር ንምዝታይ እዩ። ወሰኽ-ክብሪ ጸባ፡ ዓንዲ ሕቖ ምዕባለ ናይዚ ዓውዲ ምዃኑ ናይ ሓባር ግንዛበ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ንነፍስ-ወከፍ ደረጃ ማለት፡- ምህርቲ፡ ምስርሐ፡ ዝርግሐን ሃልክን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና፡ ነፍስ-ወከፍ ቀለቤት ኣገዳሲ ምዃኑን ዝኾነ ድኻም ከኣ ኣብ መላእ እቲ ስርዓት ዓቢ ሃስያ ከም ዘለዎን እዩ።
እዚ ዋዕላ፡ ንኹልና ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ጽላታትን ዝመጻእና መሻርኽቲ፡ ፍልጠት፡ ተመኵሮ ከምኡ’ውን ብሉጽ ኣብነት ንምልውዋጥ ዝሕግዝ መኣዲ እዩ። እዚ መድረኽ፡ ንዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታት ብብሉጻት ሓሳባትን ኣገባባትን ንምፍትሖም ኢሂን-ምሂን እንብለሉ እዩ።
ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ዓውዲ፡ ከነቃልበሉን ብትግሃት ክንሰርሓሉን ዝግብኣና፡ ጉዳይ ቴክኖሎጂን ኣብነታውያን ተመኵሮታትን እዩ።
ኣብዞም ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት፡ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ምዕባለ ሰብ-ኣልቦ ስርዕተ ሕልቦ፡ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣመጋግባ ከምኡ’ውን ኣብ ጀነቲካዊ መስርሕ ቅማረ ዝተምርኰሰ ስርዓተ ምድቓል ዘደንቕ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ እዩ። ቴክኖሎጂ ተጠቒምና፡ ኣብ መላእ’ቲ ሰንሰለት ክብሪ እቶታውነት፡ ጽፈት ኣሰራርሓ፡ ቀጻልነት ብዘሎዎ መገዲ ርኡይ ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእል ኢና።
ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዘይንእስ፡ ንጉዳይ ዕዳጋን ብዙሕነት ፍርያትን ዓቢ ኣቓልቦ ክንህቦም ይግብኣና። ጠለብ ጸባን ውጽኢቱን ኣብ ሃሃገራትናን ኣብ ዓለምን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ነዚ ዕድል ንምምዝማዝ ከኣ ሓደስቲ ዕዳጋታት ምድህሳስ፡ ሓደስቲ ምህርቲ ወሰኽ-ክብሪ ከምኡ’ውን ብቕዓቱን ድሕነቱን ዘመስከረ ቀጻሊ ቀረብ ከምዝህሉ ምግባር መሰረታዊ እዩ።
ዝኸበርኩም ተጋባእቲ
ካልእ ዓቢ ጉዳይ፡ ድሕነት ሓረስቶትና እዩ። ንሳቶም፡ ዓንዲ-ሕቖ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን ስለ ዝኾኑ፡ ድሕነቶም ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። ብፍልጠት፡ ስልጠና፡ ብዕድላት ምወላ ከነተርንዖም ከድልየና እዩ። ሞያኦምን ዓቕሞምን እንተኣበሪኽናዮ፡ ድልዱልን ርቡሕን ጽላት ክንሃንጽ ንኽእል ኢና።
ብተወሳኺ፡ ምትሕብባርን ሽርክነትን ቀንዲ መፍትሕ ዓወት’ዩ። እዚ ዋዕላ፡ ካብ መንግስቲ፡ ኢንዱስትሪ፡ ትካላት ምርምር፡ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ፡ ማሕበራት ኣፍረይትን መስራሕትን ጸባ ንዝመጹ ተጋባእቲ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ሽርክነት ክምስርቱን ምቹእ ባይታ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።
ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ንብድሆታትና ብምስዓርን ንዕድላትና ብምምዝማዝን፡ ኣብቲ መላእ ሰንሰለት ክብሪ ቀጻልነቱ ዘውሓሰ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።
ዝኸበርኩም ተጋባእቲ
ንኤርትራ ብዝምልከት፡ ክሳዕ ሕጂ ንህዝብና ውሕስነት ጸባን ውጽኢቱን ከነረጋግጸሉ ኣይከኣልናን። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ነዚ ዋዕላ ክንውደብ ዝተበገስና። ካብዞም ካብ ደገ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ትካላት ምርምር፡ ትካላት ምፍራይን ምምስራሕን ጸባ፡ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ወዘተ. ንዝቕጽል ጉዕዞና ኣብዚ መዳይ ብዝሓሸን ዝማዕበለን ኣገባብ ንኽንምርሽ ጭቡጥ ተመኵሮታቶም ከካፍሉና’ዮም። ሓረስቶትናን ሞያውያንናን’ውን ግብራዊ ስልጠና ንኽወስዱ ከም ዝተሓባበሩና ድማ እምንቶና እዩ። ካብዚ ተበጊስና ኸኣ ነቲ ህዝብና ካባና ዝጽበዮ ዘሎ ርቡሕን ብቑዕን ምህርቲ ንዘቤታዊ ሃልክን ክንዮኡን ንምርግጋጽ ዝሓሸን ዝጠጠሐን መገዲ ኣብ ምጽራግ ክሕግዘና እዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣብዚ ዓውዲ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሓገዙና መሻርኽትና ብዙሓት ስለዝኾኑ፡ ብጥቕሉሉ ንወደብቲ ዋዕላ፡ ኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፡ ተጋባእቲ፡ ንመወልቲ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበሎም። ተሳታፍነትኩምን ንምትሕግጋዝ ዘሎኩም ድሉውነትን ኣዝዩ ዝምስገን’ዩ። ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ዝካየዱ ዘተታትን ከኣ ናብ ዝሓየለን ዝሃብተመን ሰንሰለት ወሰኽ-ክብሪ ጸባ ከም ዘብጽሑና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ ንኽልተ መዓልትታት ዝቕጽል ምይይጥን ቀጺሉ ዝትግበር ዑደት ናብ ኣብነታውያን ሓረስቶትን ዓወት እምነየልኩም።
ኣብ መወዳእታ፡ ንኣሰናዳእቲ ናይዚ ዋዕላ፡ ስለ’ቲ ውሕሉል ኣወዳድባኦም፡ ብስምኩምን ብስመይን ኣገናዕ እብሎም።
ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን።
21-02-24