መግዛእታዊ ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሴ ብ15 ሕዳር 1967 ኣብ ዓድ-እኩድ – ንኡስ ዞባ ሰልዓ ብዘካየዶ ግፍዒ ናይ ዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታት ዝኽሪ ተኻዪዱ።
ኣብ’ቲ ብ15 ሕዳር ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝተኻየደ ዝኽሪ መበል 56 ዓመት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይን ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ጃብራን ዝርከብዎም ሓለፍቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበርቲ ናይ’ቲ ከባብን ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ውኤላ መሓመድ-ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ብኣረሜናዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዓድ-እኩድ ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ውሑድ ካብ’ቲ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ተኸታተልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ታ ዕለት 99 ንጹሃት ነበርቲ ዓድ-እኩድ ኣብ ሓደ ረፍዲ ከምእተቐትሉ ገሊጹ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ እድሪስ ሳልሕ ብወገኑ፡ ዛጊት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ነቲ ኣብ ዓድ-እኩድ ዝተፈጸመ ግፍዒ ደሚርካ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ጥራይ 63 ዓድታትን ከተማታትን ግዳይ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ከምዝኾና ብምሕባር፡ ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ብግቡእ ንምስናዱን ንምዝካሩን ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ።
ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ ድማ፡ ኣብ ዓድ-እኩድ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝኽተልዎ ዝነበሩ፡ “ኤርትራ መሬታን ባሕራን እምበር ሰባ ኣየድልየናን” ዝብል ኣረሜናዊ ተግባር ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ናይ ዝኽሪ መደባትን ኣጋጣሚታትን፡ ብመስዋእቲ ዜጋታታት ዝተረጋገጸ ናጽነትን ልኡላውነትን ብምዕቃብ፡ ኣብ መደባት ልምዓት ዓጸፋ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ኣብ’ቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ፡ ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንስክላ ዝተረፉ ተዘክሮታቶም ከካፍሉ ከለዉ፣ ነቲ ፍጻመ ዘንጸባርቕ ባህላውን ጥበባውን መሰናድኦታት ቀሪቡ።