ሕዳር ኣብ ታሪኽ ኤርትራ

ወርሒ ሕዳር ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ መግዛእቲን ድሕሪ መግዛእቲን፡ ዝሓለፎ ጽንኩር መድረኻት ታሪኽ፡ ዝገጠሞ ዓለማዊ ውዲት፡ መሪር ሓርነታዊ ተጋድሎን ዘይጽዓድ መኸተኡን፡ ግፍዒታት ገዛእቲ ኢትዮጵያን ሰብኣውነት ህዝቢ ኤርትራን ካልእን ዘዘኻኽር ብዙሕ ፍጻመታት ዝሰነደት ወርሒ እያ። ካብዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ክንደይ ኮን ንዝክር?

15 ሕዳር 1869፡ ኢጣልያዊ ካህን ጂሰፐ ሳፔቶ፡ ፍኖተ መግዛእቲ ንምጽራግ፡ ካብ ክልተ ኣሕዋት ደቡብ ደንካልያ መርገጺ እግሪ ዝኸውን ንእሽቶ መሬት ተኻርዩ።
17 ሕዳር 1875፡ ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጉንደት ምስ ሰራዊት ግብጺ ገጢሙ ብሓገዝ ኤርትራውያን ዓወት ተጓናጺፉ።
ሕዳር 1885፡ ደርጎኛ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ንምድሪ ኩናማን ናራን ወሪሩ፡ ሰፊሕ ጃማላዊ ቅትለት ብምፍጻም ብዙሓት ዓድታት ኣቃጺሉ ንብረተንን ጥሪተንን ዘሚቱ።
8 ሕዳር 1887፡ ጀነራል ዲ ላን ማርሳኖ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት መግዛእቲ ኢጣልያ መሪሑ ወደብ ምጽዋዕ ኣትዩ።
24 ሕዳር 1887፡ ኢጣልያ ካብ ባጽዕ ንእምኩሉ ዝኸይድ መገዲ ባቡር ክትሃንጽ ጀሚራ።
 10 ሕዳር 1910፡ ኢጣልያ ንዜጋታታ ዘገልግል ፈነወ ሬድዮ ኣብ ባጽዕ መስሪታ።
24 ሕዳር 1946፡ ኣብ ኣስመራ 2ይ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ተኻይዱ፡ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ተዘትይሉ።
12 ሕዳር 1947፡ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናዕ ኣስመራ ኣትያ።
 21 ሕዳር 1949፡ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እትከታተል ኮሚቴ ኣቚሙ።
21 ሕዳር 1950፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘነጽር መደረ ኣብ ዋዕላ ሕ.ሃ. ኣስሚዑ።
27 ሕዳር 1950፡ ኣመሪካን መሻርኽታን እማመ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን።
2 ሕዳር 1958፡ ንዓመጽ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብምቅዋም፡ ንምሉእ ናጽነት ኤርትራ ዝቃለስ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ) ተመስሪቱ።
14 ሕዳር 1962 ኢትዮጵያ ብሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ካብ ሕጊ ወጻኢ ንኤርትራ ጎቢጣታ።
30 ሕዳር 1970፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሰንሒት ኣብ ዓድታት በስኪደራ፡ ዖና፡ ገለብን ካልኦትን ሰፊሕ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሙ።
24 ሕዳር 1977፡ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ኣብ መንጎ ወከልቲ ህዝባዊ ግንባርን ስርዓት ደርግን ኣብ በርሊን – ምብራቕ ጀርመን ተኻይዱ።
21 ሕዳር 1978፡ 2ይ ወራር ስርዓት ደርግ ጀሚሩ፡ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ከቢድ ኲናት ተኻዪዱ።
15 ሕዳር 1980፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብመገዲ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ካብ ሳሕል ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተፈቒዱሉ፡ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ ጀሚሩ።
22 ሕዳር 1980፡ ህዝባዊ ግንባር ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ዝፍትሓሉ እማመ ረፈረንዱም ኣቕሪቡ።
27 ሕዳር 1980፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ካርቱም ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተኸቲሙ።
 22 ሕዳር 1981፡ ህዝባዊ ግንባር 3000 ምሩኻት ኲናት ኢትዮጵያውያን ናጻ ለቒቑ ናብ ዓዶም ኣፋንዩዎም።
20 ሕዳር 1989፡ ኣብ መንጎ ህ.ግ.ን ስርዓት ደርግን መቐጸልታ ዝርርብ ኣትላንታ ኣብ ናይሮቢ ዘተ ሰላም ተኻይዱ።
6 ሕዳር 1991፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ምዃኑ ዝገልጽ ቀዳማይ ኣዋጅ ተኣዊጁ።
8 ሕዳር 1997፡ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ተሓቲሙ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ