‘ሓይሊ 33’ – ኣብ ምስባር በሪ ስጋለት

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኤፍሬም፡ ንኺዳነ ሓኪሙ ንድሕሪት ብምፍናው ንሱ ግን ንቕድሚት ገስገሰ። ሒደት ሱጕሚታት ከደ’ሞ ሕጂ’ውን ካልእ መውጋእቲ ኣጋጠመ። መድፍዓጂ ብሬን ተገድም ኣብቲ ሓጸርቲ ኣዕኑድ መእሰሪ ጃላቡ ኣዝጊቡ ክትኵስ እናበለ ኸሎ፡ ከይተኰሰ ብጸላኢ ተቐዲሙ ብሬኑ ተሃርመት። ብሰንኪ ማህረምቲ ብረቱ ሓሳቡ ሰሪዙ ንቕድሚት ብግስ ክብል ከሎ’ውን እግሩ ተሃርመ። ኤፍሬም ንተገደም ቀዳማይ ረድኤት ክገብረሉ ተቐላጠፈ። ንተገደም ሓኪሙ ከይወደአ ኸሎ፡ መራሒ መስርዕ ሳልሕ ዓፋ ተወግአ። ሳልሕ ከብዱ እዩ ተሃሪሙ። ጎዝ ስለ ዝተወድአ፡ ኤፍሬም እንታይ ከም ዝገብር ጭንቕ በለቶ። ዝገብሮ ምስ ሰኣነ፡ ንሳልሕ ብካምቻ ገዛእ ርእሱ ጀኒኑ ኣፋነዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣጋር ሓኪም ኤፍሬም ንባዕሉ ተሃርመ። ማህረምቱ ኣብ የማነይቲ ኢዱ ስለ ዝነበረት፡ ካምቻኡ ኣውጺኡ ብጸጋማይ ኢዱ ጥቕልል ኣበላ። ካብዚ ንደሓር ንባዕሉ ስለ ዝቘሰለን መተሓኻኸሚ እውን ስለዝወድአን ዝምልኦ ነገር ኣይነበሮን። ንድሕሪት ተመለስ ተባሂሉ ምስ ተነግሮ ካብቲ ውግእ ንኽወጽእ በቲ ቐላይ ክስጉም ጀመረ።

ኤፍሬም ተወጊኡ ንድሕሪት እናተጓዕዘ፡ ናብታ ጋንታኡ ካብ ድንድል ወሪዳ መጀመርታ ባሕሪ ዝረገጸትላ መላገሲት እልይ ክብል ከሎ፡ ብርክት ዝበሉ ውጉኣት ጸንሑዎ። ምስኣቶም ንምጽንባር በቲ ጸልማት ኣብ ሓንቲ እምኒ ዝመሰለቶ ነገር ኮፍ ክብል ፈተነ። ግን፡ ስለ ዝለምለመቶ ከየራጠጠ ንእለት ሓፍ በለ። ናብቲ ነገር ደኒኑ ኣዒንቱ ኣቕሪቡ እንተ ረኣዮ፡ ስዉእ ራድዮ ኦፐሬተር ወዲ-ገሬ ኮይኑ ጸንሐ። ብስንባደ ኣካላቱ ግፍፍ በሎ’ሞ፡ ነቶም ውጉኣትን ስውኣትን ዘውጽኡ ዝነበሩ ኣባላት ሃንደሳ ሓበረ። ድሕሪ’ዚ ንስዉእ ወዲ-ገሬ ኣልዒሎም ንድሕሪት ኣውጺኦም ቀበሩዎ።

በዝን ካልእ ብድሆታትን፡ ኣብ ባሕሪ ኣቲኻ ክትዋጋእ ፍጹም ኣጸጋሚ ነበረ። ከም ድሌትካ ክትስጉም ኣይትኽእልን፣ መከላኸሊ የብልካን፡ በጥ ኢልካ ክትዋጋእ ማይ ባሕሪ ኣይፈቅድን፣ ዝወደቐ ከተልዕልን ቀዳማይ ረዲኤት ክትገብረሉን ፍጹም ኣሸጋሪ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ጻዕቂ ቶኽሲ ኣርፒጂታትን 14.5 ኣጽዋርን ጸላኢ፡ ሃዲእካ ክትሓስብን ክትንቀሳቐስን ዕድል ዝህብ ኣይነበረን። ዋላ እቲ ብቐንዱ ጥይትን ቦምባን እንተ ሰሓተካ፡ ኣብቲ መንደቕ ድንድል ሃሪሙ ተመሊሱ ስለ ዝግጭበካ፡ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጻሕካ ግዳይ መስዋእትን መውጋእትን ኴንካ ትተርፍ።

ብኸም’ዚ ኣገባብ ዝወደቐ ወዲቑ፡ ዝሰገረ ድማ ናብ ጸላኢ ምስ ተጸግዐ፡ ሽዑ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ኮሚሳር ጋንታ ተጋዳላይ ብሉጽ ጠዓመ፡ ኣዛዚ ቀዳማይ ጋንታ ሃይለ ወልደኣምላኽ ብድሕሪት ስዒቡ ምስ ኣርከቦ፡ “እሞ ሃይለ፡ ብጸጋም ወገን ከምዚ ትርእዮ ጻዕቂ ተቓውሞ ኣለካ፣ ብየማን ኣቢልኩም ግን ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም፡” ኢሉ ቦታ ኣተሓሓዞ። ሃይለ’ውን ሓንሳብ ምስ ብሉጽ ኣብ መሬት በጥ ብምባል፡ ንዓቕሚ ተዅሲ ጸላኢ መዘኖ። ድሕሪ’ዚ፡ ነቶም ሽዱሽተ ዝዀኑ ኣባላት ጕጅለኡ ሒዙ ብቐጥታ ብየማን ናብቲ ኣብ ተረንሸዋታት ብዝተሸርበ ኣእካልን ጨውን ዝተሃንጸ ዕርዲ ጸላኢ ዳርባ ቦምባታት ጀመረ። ኣዛዚ ጋንታ ጎይትኦም ወዲ ኮረሪ ዝሓዞም ምስ መራሒ መስርዕ ኣስገዶም ዝጠርነፉ’ወን፡ ናብ ጸጋም ወገን ዝነበረ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዖም ኣጥቅዑ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ምዕባለ፡ እቲ ካብ ስኔማ ኣይዳ ድሕሪት ዝተበገሰ ጕጅለታት ሳልሳይ ጋንታ’ውን ናብ ቀዳሞት ክድረብ ግዜ ኣይወሰደን። እዚ ጋንታ’ዚ ግን፡ ዘይ ከም ንኻልኣይ ጋንታ፡ ካብ ጸላኢ ዝግበር ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ደብዳብ፡ ካብ መጀመርታ ካብ ስኔማ ኣይዳ ክበገስ ከሎ እዩ ኣረኻኺቡሉ። ግን፡ ናህሩ ኣየጕደለን። እቲ ተጋዳላይ ኒሕ ነይሩዎ። ነቲ ናይ ዕለት 11 ዘይተዓወተ ፈተነን ኵነታት 1977ን እናዘከረ፡ ሎሚ ክንውድኣ ኣሎና፡ ዝብል ሕራነ ነይሩዎ። በዚ መሰረት፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ከጋጥሞ ዝጀመረ ዕንቅፋታት ግዲ ከይገበረሉ፡ ስኑ ነኺሱ ነቲ 950 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጽርግያ ሰጊሩ ምስቶም ቅድሚት ሓሊፎም መጥቃዒቲ ዝኸፈቱ ብጾቶም ተጸንበሩ።

ማእከልነት ጋንታ ተኸስተ ዘውደ ዝርከቦም ኣብ መንገዲ ተወጊኦም ዝተረፉ ተጋደልቲ ነይሮምዎም እኳ እንተዀኑ፡ ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ ንዓኣቶም ከልዕል ጠጠው- መጠው ዝብል ተጋዳላይ ክርከብ ኣይነበሮን። ብዘይካ ኣጋር ሓኪም፡ ኵሉ እቲ ዘይተሃርመ ንቕድሚት ናብ ዕላማ ክጐዪ ነይሩዎ። ንዝወደቐን ንዝተሰውአን ናይ ምልዓል ሓላፍነት ክወስዱ ኣባላት ሃንደሳ ክፍለ ሰራዊት ተሓቢሩዎም እዩ።

ሓይሊ ስለያ ክ/ሰ/70፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ንቐጣን ስጋለት ሓሊፉ ክሳብ’ቲ ብናይ ኣእካልን ጨውን መሸማዓት ተነዲቑ ዝተሰርሐ ድልዱል መከላኸሊ – ኣብ ናይ ሕጂ ሓወልቲ ታንክታት – ድፋዕ በጽሐ። ክብገስ ከሎ ዝተሰከሞ ሓላፍነት፡ ንቐዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ሰይሩ ኣብ መሬት ወሰናስን ደሴት ጥዋለት ነኺሱ ቦታታት ብምሓዝ፡ ነተን ስዒበን ዝሃጅማ ሓይልታት መርገጺ እግሪ ምጥጣሕ ነበረ። እዚ ተልእኾ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ከም ተተግበረ ኣዛዚ ጋንታ ስዉእ ተጋዳላይ ሃይለ ወልደኣምላኽ ናብ ስታፍ ስለያ ክፍለ ሰራዊት ኣበሰረ። በዚ መሰረት፡ ነቲ ሓይሊ ተዋሂቡ ዝነበረ ዕማም ኣብ መፈጸምታ ስለ ዝበጽሐ፡ እተን ኣብ ስኔማ ኣይዳ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይነን ክጽበያ ዝጸንሓ ሓይልታት ከርክባ ነይሩወን። ነተን ጋንታታት ስለያ ተረኪባ ነቲ መጥቃዕቲ ንምቕጻሉ ብቐዳምነት ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበት ድማ፡ ሓይሊ ጓል መሓሪ ናይ ብርጌድ 71 ነበረት። ከምኡ እናበላ ካልኦት ኣሃዱታት ናይቲ ክፍለ ሰራዊት’ውን ንስጋለት ሰጊረን ናብ ውሽጢ ጥዋለት ተደረባ።

በዚ መሰረት፡ ሓይሊ 33 – ኣሃዱ ስለያ ክፍለ- ሰራዊት 70 ዕላማኡ ወቕዐ። ምስቲ ዝነበረ ክብደት ናይቲ ውግእ ዝጋነን ክሳራ ኣብ ርእሲ ዘይምሕታቱ፡ ብቐንዱ ግን እቲ ኣሃዱ ተልእኾኡ ብዓወት ዛዚሙ ነተን ድሒረን ዝተደረባ ሓይልታት ቦታአን ኣትሒዙ፡ ገና’ውን ኣብ ጎድነን ተሰሊፉ ኣብ ገስጋስ ነበረ። ስታፍ ስለያ ክፍለ-ሰራዊት ተጋዳላይ መድሃኔ ደባስ ግን፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብፍላይ ጋንታታት ሓይሊ 33 ውግእ ደው ከብላ መምርሒ ከመሓላልፍ ተቐራረበ። ቅድሚ ውሳነ ምሃቡ፡ ንኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት 70 ተጋዳላይ ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ሕጂ ጀነራል) ኣብ ማዕበል ራድዮ ርክብ ረኺቡ፡ “እሞ እዚ ናተይ ይእከሎዶ?” ክብል ተወከሶ። ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት “እወ፡ ይእኸልኩም” ዝብል መልሲ ሃቦ’ሞ፡ መድሃኔ ድማ እቲ ኣሃዱ ንድሕሪት ክወጽእ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እንተዀነ፡ እቲ ሓይሊ ነቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ቅንጥጥ ኢሉ ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ኣብቲ ፓላሶታት ምስ ጸላኢ ዝግበር ጭርጭር ዓበደ ዝመስል ብመሳኹትን ልዕሊ ህንጻታትን ኣብ ምድርባይ ቦምባታት ክጓየ ሓደረ።

እቲ ካብ ናቫልበይዝ ብጃላቡ ናብ ርእሲ ምድሪ ክሳገር ዝጀመረ ሰራዊት’ውን ኣብ ልዕሊ’ተን ጃላቡ ዝዀነ ይዅን ናይ ጸላኢ ተቓውሞ ከየጋጠመ መስርሕ ምስግጋር ስለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ነበረ። እተን ጃላቡ ሰራዊት ኣሳፊረን ሰለል እናበላ ናብ ጫፍ ርእሲ ምድሪ ጽግዕ ምስ በላ፡ ብቐዳምነት ዝወረዱ እቶም ጠለቕቲ እዮም። ብቕድሚት ወገን ዘዘሊሎም ብምውራድ መሬት ወሰን ባሕሪ ድሕሪ ምርጋጾም፡ ምእንቲ እቲ ሰራዊት ክወርድ ምስ ጀመረ እተን ጃላቡ ከይግልበጣ ኣጽኒዖም ሓዙወን። ሰራዊት ድማ “ውረዱ!” ዝብል ትእዛዝ ምስ ሰምዐ ብሓንሳብ ንግፍ ኢሉ ብምውራድ መመታዀሲኡ ብምሓዝ መጥቃዕቱ ጀመረ።

እተን ጃላቡ’ውን ተመሳሳሊ ዕማመን ቀጸላኦ። እናተመላለሳ ሰራዊት ክድርባ ስለዝነበረን፡ ናብ እንዳ-ቡልጋርያ -መበገሲ ቦታአን- ተወንጪፈን ተመልሳ። ሰልስቲአን ጃላቡ፡ ነፍሲ-ወከፈን 11 ግዜ ስለ ዝተመላለሳ ጠቕላላ ልዕሊ ሓደ ብርጌድ ሰራዊት ተጋደልቲ ናብ ርእሲ ምድሪ ከም ዝሰግር ገበራ።

“ሓደ ልምምድ ዘይገበረ፡ እሞ ባሕሪ ዘይፈልጥ ሰራዊት ቀጥታ ማዕበል እናተገጨበ ኣብ ንኣሽቱ ጃላቡ ኣሳፊርካ ምስ ዕጥቂ ብረቱ ከተገዓዕዞ ከለኻ፡ ቀዳማይ ከጋጥመካ ዝኽእል ጸገም፡ ኣብ ባሕሪ ርጉእነት ምጥፋእ እዩ፡ ” ክብሉ እዮም ክኢላታት ባሕርን እቶም ጠለቕትን ዝገልጹዎ። ምኽንያቱ ክገልጹ ከለዉ ድማ፡ ሓንቲ ተንሳፋፊት ጃልባ ሚዛናን ርጉእነታን ሓልያ እንተዘይ ቈይማ ንሳን ጽዒናቶ ዘላ ህይወትን ንብረትን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ። ምናልባት ንሓንቲ ካብተን ነፍሲ-ወከፈን 20 ተጋደልቲ ጽዒነን ቀላይ ዝሰግራ ዝነበራ ጃላቡ ቦምባ ምስ ዝዓልባ፡ ልዕሊ 20 ትንፋስ ናይ ተጋደልቲ ምስ ጃልባኦም ትወስደልካ ኣላ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመካ ግዜ ኣዝዩ ኣዕናዊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ነይሩዎ።

ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ እምበኣር፡ ሓገዝ ናይቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እናሰሓለ ዘዕኰኾ ውልዶ ሓይሊ-ባሕሩ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣብ 11 ለካቲት ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ግን ዘይተዓወተሉ ውግእ ስጋለት፡ ሓድሽ ሜላ ሒዙ እዩ ዳግም ኣትዩዎ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብስጋለት ቀጣን ጥራይ ምፍታን፡ ጃላቡ ተጠቒምካ ብቐላይ ባሕሪ ናብ ብዝተወሃሃደ ስጉምቲ ናብ ርእሲ ምድሪ ምእታው፡ ውጽኢታዊ ነበረ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ጥዋለትን ወደብን ተኸርዲኑ ዝቐነየ ሰራዊት ደርግ፡ እቲ ዝሞተ ሞይቱ ዝበዝሐ ድማ ተማሪኹ። ብጸላኢ ጅሆ ተታሒዙ ንዝቐነየ ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ ድማ ካብ ሓደጋ ኣናገፈ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓይሊ-ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር፡ ሓሙሽተ መራኽብ ኲናት ጸላኢ ክሰልብ ከሎ፡ 12 ካልኦት ድማ ናብ ባሕሪ ኣስጢሙ። ዝበዝሑ ኣባላት ሓ/ባሕሪ ጸላኢ ተማሪኾምን ተቐቲሎምን ለመሰ።

ሓይሊ ስለያ ክፍለ-ሰራዊት 70፡ ንተቓውሞ ጸላኢ በዲህካ ንቐጣን ጽርግያ ስጋለት ሰጊርካ ቀዳማይ መከላኸሊ ድፋዕ ጸላኢ ኣብ ምስባርን መርገጺ ባይታ ኣብ ምኽፋትን፡ ናይ 17 ተጋደልቲ መውጋእትን ናይ ሓሙሽተ መስዋእትን ኣጋጠሞ። ካብ 60 ኣቢሉ ዝነበረ ዓቕሚ ሰቡ፡ ናብ 38 ወረደ። እዚ ሰብኣዊ ክሳራ’ዚ ምስ ክብደት ናይቲ ዝነበረ ውግእን ምስቲ ዝተጨበጠ ዓወትን ኣዛሚድካ ክረአ ኸሎ ብዙሕ’ኳ እንተዘይ ተባህለ፡ ኣብ ተመኩሮ ናይቲ ኣሃዱ ግን ክንድኡ ከፊሉ ስለ ዘይፈልጥ ሒደት ኣይነበረን። ምስቲ ድሒሩ ኣብ ከባቢ ኩበ ዘጋጠመ ተወሳኺ ክሳራ ምስ ተደመረ ግን ኣብቲ ኣሃዱ ስንብራት ገዲፉ እዩ።

እተን ጋንታታት ኣሃዱ ስለያ፡ ቅድሚ ናብ ኩበን ቢዘንን ምብጋሰን ድሕሪ ምሉእ ዓወት ከተማ ምጽዋዕ ሓጺር ዕረፍቲ ወሰዳ። ፈኲስ መቝሰልቲ ዘጋጠሞም ኣባላተን ሓውዮም ካብ ሕክምና ተመሊሶም ክሳብ ዝተኣኻኸቡ፡ ንገለ መዓልታት ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ሉል ቀይሕ-ባሕሪ ኣዕረፉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓጺር ምዝናይ እነከለዉ ግን፡ ብርጌዳት ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ሓድሽ መደብ ስለ ዝተታሕዘለን ናብ እምባ ቢዘን ገጸን ክጓዓዛ ጀመራ። እዚ መደብ’ዚ ንዅሉ ዝምልከት ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓይሊ እንዳ ስለያ’ውን ኣብ ዕለት 20 ኣቢሉ ኣሰር ኣደ ኣሃዱኡ ኣርከበ። ኣብቲ ሓድሽ ግንባር መንገዲ መሪሑ ነቲ ሰራዊት ቦታኡ ዘተሓሕዝ ዝነበረ፡ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ተጋዳላይ ተስፋጼን ተኽለማርያም (ማናጃ) እዩ። ስዉእ ተጋዳላይ ተስፋጼን፡ ቅድሚ ቦጦሎኒ መሪሑ ኣብ ጸጋማይ ግንባር ጊንዳዕ ምስላፉ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ኣባል ስለያ ክፍለ-ሰራዊት 85 ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ግንባር ኣብ ምጽናዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝነበሩ ተጋደልቲ እዩ።

ዕላማ ምንቅስቓስ ክፍለ-ሰራዊት 70 ናብ ቢዘን፡ ነቲ ንመከላኸሊ መስመር ተጋደልቲ ሰይሩ ካብ ጊንዳዕ ናብ ባጽዕ ንምእታው ዝፍትን ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምዕጋስ ነበረ። ኣብ መስመር ኣስመራ – ጊንዳዕ ከባቢ ነፋሲት ቆሪጽካ፡ ወይ ድማ ኣብኡ ጸቕጢ ፈጢርካ ነቲ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝካየድ ዝነበረ ዘየዕርፍ ምትህልላኽ ምፍዃስ ዝዓለመ። ግን፡ እቲ ተልእኾ’ቲ ጸላኢ ቀዲሙ ብገለ ከባቢታት ግንባር ጊንዳዕ ድፋዕ ተጋደልቲ ስለ ዘፍረሰ፡ እቶም ብርጌዳት ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ንድሕሪት ናብ ብዓረዛ ገጾም ሰሓቡ።

ስለያ ክፍለ ሰራዊት ግን፡ ኵነታት ጸላኢ ትከታተል ሓንቲ ሰለስተ ዝኣባላታ ጕጅለ ድሕሪት ኣትረፈ። እታ ጕጅለ’ቲኣ ኣብታ እንስሳታት ከብትን ፈለስትን ዝነብሩላ ዝነበሩ ‘ዛላ’ እትባሃል ከባቢ ተረፈት። ግን፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ግመን ዒፍዒፍታን ስለ ዝነበረ ንጸላኢ ከይተኸታተሉዎ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ንዝነበረ ከባቢታት ተቘጻጸሮ። ሓበሬታ ናይቲ ምዕባለ’ቲ ካብ ሓደ ብኣጋጣሚ ዝረኸቡዎ ገባር’ዮም ኣረጋጊጾሞ። እታ ጕጅለ ግን ብዙሕ ኣይተጨነቐትሉን። ሃማን ቀልባን፡ እቲ ግመ ክቕንጠጠላ’ሞ ምንቅስቓስ ጸላኢ ተኸታቲላ ሓበሬታ ከተማሓላልፍ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ከም ሓበሬታ ጥራይ ወሰደቶ።

እቲ ግመ ድሕሪ ምቕንጣጡ፡ ቀጥታ ከባቢኣ ክትከታተል ጀመረት። ጸላኢ ኣእድጉ ጽዒኑ ናብ ዝባን ‘ኩበ’ ክድይብ ረኣየቶ። ሒደት ሰዓታት ቅድሚ’ዚ ፍጻመታት’ዚ፡ ኣብ ‘ጸላም’ ዝተባህለ ቦታ፡ ኣብ መንጎ መራሒ ጋንታ ሃይለ ወልደኣምላኽ ዝሓዞ ኣሃዱ ስለያን ጸላእን ከቢድ ጥምጥም ተኻይዱ ነበረ። እቲ ሃንደበታዊ ረጽሚ’ቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣባላት ስለያ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ስለ ዘስዓበ፡ እታ ድሕሪት ኣብ መንጎ ጸላኢ ዝተረፈት ጕጅለ ቀልጢፋ ንኽትወጽእ ብረድዮ ርክብ መምርሒ ተዋህባ።

እቲ ‘ጸላም’ ዝተባህለ ኣሃዱ ስለያ ኣንጻር ጸላኢ ዝገጠመሉ ታባ፡ ኣገዳሲ ብራኸ እዩ። እቲ ቦታ’ቲ ኣካል ጎቦ ኩበ ኮይኑ፡ ብቢዘን ኣቢሉ ንምብራቕ ካብ ዝወርድ ዓቢ ስንጭሮ ንሓውሲ ሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ገዛኢ ቦታታት እዩ። ቅድሚ ናብ ናይ ኢድ ብኢድ ውግእ ምቕያሩ፡ እቲ ኣገዳሲ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ጸላኢ ከይወድቕ ምእንቲ፡ ኣሃዱ ስለያን ኣሃዱታት ብርጌድ 10ን ብዝተፈላለየ መኣዝን ናብኡ ገጾም ይድይቡ ነበሩ። እንተዀነ፡ ጸላኢ ቀዲሙ ንታባ ጸላም ተቘጻጺሩዋ ስለ ዝጸንሐ፡ ምስቲ ንኻልኦት ሓይልታት ቀዲሙ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ኣሃዱ ስለያ ውግእ ገጠመ። ክሳብ ኣሃዱታት ብርጌድ 10 መጺኦም ንጸላኢ ካብቲ ቦታ ጸራሪጎም ዘውርዱዎ፡ ኣባላት ስለያ ከቢድ መስዋእቲ ከፈሉ። እቲ ሓያል ተዋጋኣይን መራሒ ጋንታን ሃይለ ወልደኣምላኽ እውን ኣብኡ ተሰውአ። ሃይለ፡ ኣብ ውግእን ብጾቱ ኣብ ምእላይን ብቕዓቱ ዘመስከረ ተጋዳላይ ነበረ። ውግእ ታባ ጸላም፡ ንዓኡን ካልኦት ሓሙሽተ ብጾቱን – ህይወት ሽዱሽተ ተጋደልቲ ክትወስድ እንከላ፡ መቝሰልቲ ናይ ሸውዓተ ተጋደልቲ ኣባላት ስለያ’ውን ኣጋጠመ።

ካብ’ቶም ሓለፍቲ ዝበሃሉ ሓደ ሃለቃ ዝተባህለ ተጋዳላይ ምክትል መራሕ መስርዕ ጥራይ ጥዑይ ተሪፉ፡ ራድዮ ርክብ ኣልዒሉ ንስታፍ ስለያ ግብረ-መልሲ ክህብ ወዓለ። ሓይሊ 33 (ስለያ ክ/ሰራዊት 70) እምባኣር፡ በቲ ኣብ ጸላምን ኣብ ስጋለትን ዘካየዶ ውግኣት ጥራይ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ጥራይ፡ ዓቕሚ ሰቡ ተዳኺሙ ካብ ኣስታት 65 ኣባላት፡ ዳርጋ ፍርቂ ተረፈ። በዚ ምኽንያት፡ ካብ ሓለዋ ሰውራን ካብ ሓይልታትን ብዝተሳሕቡ ተጋደልቲ ዓቕሚ ሰቡ ጸገነ።