‘ሓይሊ 33’ – ኣብ ምስባር በሪ ስጋለት

ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ከባቢ ሲኔማ ኣይዳ ዓሪዱ – ናብ ጥዋለት ከቋምት ዝጸንሐ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ብወዲ-ጠዓመን ሃይወይን ዝምራሕ ካልኣይ ቦጦሎኒ ብርጌድ 71 ክ/ሰ 70 ነበረ። እታ ኣሃዱ ስለያ ኸኣ፡ ካብ ስኔማ ኣይዳ የማን ኣብ ዝነበረ ገዛውቲ ከውሊ ተጠቒማ ተኣከበት’ሞ፡ ብስታፍ ስለያ መድሃኔ ደባስ – ብዛዕባ ናብ’ቲ ቦታ መጸውዒኣን ዝተዋህባ ተልእኾን መግለጺ ተዋህባ። “እሞ ብጾት፡ መጸውዒና ምኽንያት ኵላትና ገሚትና ንህሉ ኢና፣ ኣብዚ ሎሚ ለይቲ ክዛዘም ተወጢኑ ዘሎ መጥቃዕቲ ተሳተፍቲ ንምዃን፡ ምሸት በሪ ስጋለት ንምኽፋት ንዓና ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ፡” ኢሉ መድሃኔ ዘረባኡ ከይደምደመ፡ እቶም ተጋደልቲ፡ ሓጐሶም ብጣቕዒትን ዕልልታን ገለጹ።

ንሳቶም፡ ከም ኣባላት ስለያ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ፡ ብዘይካ’ቲ ሓደ-ሓደ ብገዛእ ውሳኔኦም ዝወስዱዎ ንኣሽቱ ተበግሶታት፡ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ውግእ ዕድል ኣጋጢሙዎም ኣይፈልጥን እዩ። ምኽንያቱ፡ ባህሪ ስራሕ ኣሃዱ ስለያ ካብ ንጥፈታት ናይ ሓይልታት ዝተፈልየ ስለዝነበረ።

ዋና ዕማም ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያ ክፍላተ ሰራዊት፡ መጽናዕቲ ምክያድን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝረአ ዕለታዊ ምንቅስቓሳት ጸላኢ ኣኪብካን ጸሚቝካን ናብ እዚ ክፍለ ሰራዊትን ማእከላይ ስለያ ውድብን ምትሕልላፍ እዩ። ምናልባት እቲ ክጽናዕ ኣለዎ ተባሂሉ ብላዕሊ ዝመጽእ መምርሒታት ሓፈሻዊ እዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ክሳብ ከምዚ ዝበለ ከባቢ ኣጽንዑዎ ዝብል መምርሒ ይወሃብ እዩ። እቶም ኣባላት ስለያ ድማ ክሳብ ናብ ስልኳ ዝኸይድ ስጉምታት ይወስዱ። ብመንጎ ድፋዓት ጸላኢ ሃጓፍ ቦታታት ኣጽኒዖም ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ብምሕላፍ፡ ዓቕሚ ጸላኢ፡ ኣተሓሕዛኡ፡ ዕጥቁ፡ ዓይነታት ኣጽዋሩን ዓይነት ሰራዊቱን ዝምልከቱ ጽጹይ መጽናዕቲ የቕርቡ።

ይንኣሱ ይዕበዩ ናብ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲታት ኣብ ዝሰጋገረሉ ግዜ ድማ፡ ነተን ኣሃዱታት መንገዲ ብምምራሕ ኣስሊዅካ ብድሕሪት ከም ዝኣትዋ ይገብሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መጥቃዕቲታት ቅድሚ ብቕድመ ግንባር ምጅማሩ መምርያታት ከም ዝድምሰስ ጌርካ እቲ ስርሒት ብዝቐለለ ሰብኣዊ ክሳራ ከም ዝዕወት ይገብሩ።

ሰራዊት ብቕድሚ ድፋዕ ጸላኢ ከጥቅዕ ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ፡ ፈንጂ የጋጥሞ፡ ናይ መዳፍዕን ካልእን ኣፈሙዝ ጸላኢ ኵሉ ናብ ቅድሚት ኣሲሮም ስለ ዝጸንሑ፡ ክሳብ ዕላማኻ ከይወቓዕካ ምትራፍን ኣብ ከቢድ ክሳራ ምውዳቕን የጋጥሙ። ስራሕ ስለያ እምባኣር፡ ንሰራዊት ወገን ካብ ከም’ዚ ዝበለ ክሳራ ምንጋፍን ምቅላልን ዓቢ ተራ ይጻወት።

እንተዀነ፡ እቶም ኣባላት ነዚ ኣሰራርሓ’ዚ ዝጥሕስ ሓደ-ሓደ ስጉምቲታት ይወስዱ ነይሮም እዮም። ኣብ ልዕሊ ዝተነጸለ ኣሃዱታት ጸላኢ፡ ከም ጕጅለታት ስለያን ካልእን መጥቃቲ ምግባር ብልማድ ኣማዕቢሎሞ ነበሩ። ኣባላት ስለያ ክፍለ ሰራዊት 70፡ ብናታቶም ውሳነ ተደጋጋሚ ናይ ምጥቃዕ ተበግሶ ይወስዱ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ ጋሽ-ባርካ ዘጋጠመ ፍጻመታትን ዘኸተሎ ክሳራታትን ንምጥቃስ ይካኣል። ኣብ ኣረዳ፡ መጎሎን ካልእን በዓል ሓጎስ፡ ዘርእዝጊ፡ ወዲ ናይዝጊን ሳልሕን ዝተባህሉ ኣባላት ናይታ ኣሃዱ ምስ ሓይልታት ተደሪቦም ኣብ ውግእ ብምስታፎም መስዋእቲ ኣጋጠሞም። ኣብ ዘይተዋህበካ ተልእኾ ተሰሊፍካ መስዋእቲ ምስ በዝሐ፡ እቲ ኣሃዱ ኣኼባ ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ፡ ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት 70 ተጋዳላይ ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ተረኺቡ መጠንቀቕታ ኣመሓላለፈ።

“ድሕሪ ሕጂ፡ ዝዀነ ኣባል ስለያ መንገዲ መሪሑ ነቶም ዝምልከቶም ሓይልታት ኣረኪቡ ደኣ ክምለስ ኣለዎ’ምበር፡ ኣብ ውግእ ምእታው ስራሕኩም ኣይኰነን። ቀንዲ ናታትኩም ስራሕ መጽናዕቲ እዩ። ንስኻትኩም ትስውኡሉ ካልእ ንዓኻትኩም ዝምልከት መደብ ኣሎ፡ ” ኢሉዎም ነበረ። እዛ ቃል’ዚኣ ኸኣ፡ በሪ ስጋለት ንምኽፋት ኣብ ስኔማ ኣይዳ ተኣኪቦም መግለጺ ኣብ ዝተዋህበላ ሰዓት ተዘከረት። ብስታፍ ስለያ ክፍለ-ሰራዊት ተጋዳላይ መድሃኔ ደባስ “ስጋለት ቀጣን ክንከፍት ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ” ኢሉ ምስ ገለጸሎም፡ ብታሕጓስ ክጭደዱ ደለዩ። ሓጐሶም ብዕልልታን ጣቕዒትን ኣናገለጹ፡ “እሞ እታ ብጻይ ፍሊጶስ ዝበለና መዓልትስ መጺኣ!” እናበሉ ዘከሩዋ።

ድሕሪ መግለጺ፡ ማእከልነት ጋንታታት ብስታፍ ስለያ መድሃኔ ደባስ ተመሪሖም፡ ካብ ህንጻ ስኔማ ኣይዳ የማን ጸጋም ኣብ ዝነበረ መከላኸሊ መስመር፡ ብወገን ቶታልን ብጸጋም ሸነኽ ድማ ኣብቲ ንእሽቶ ህጩም ዝነበሮ ፈራስ ገዛን ብምዃን ኣተሓሕዛ ድፋዕ ጸላኢ ከም ዝርአ ተገብረ። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ብርጌድ 71፡ ማእከልነታት ቦጦሎኒ 2-71 እውን፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ኣዘዝቲ ጋንታታት ስለያ ብምዃን፡ ክንዮው ቀጣን ስጋለት ኣሕሊፎም ብምምዕዳው፡ ንኣተሓሕዛ ድፋዕ ጸላኢ ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ሃቡ።

ቀጣን ስጋለት ማለት፡ ከምቲ ስማ ቀጣን እያ። ግፍሒ ናይታ ጸርግያ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ኣይነበረትን ሽዑ። ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣማሓየሻ እያ ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ስፍሓት ሒዛ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ሰጥ ዝበለትን መኸወሊ ዘይርከባን ቀላጥን ነበረት። እቶም ኣዘዝቲ ጋንታታት፡ የማን ጸጋም ናይታ እንኮ ብኣጽዋር ጸላኢ ትሕሎ መስገሪት ድልድል ደጋጊሞም ብመነጸር ሜዳ ኣማዕደዉዋ። ክንዮው ፍርቂ መንገዲ ናይታ ኣስታት 900 ሜትሮ ዝንውሓታ ደንድል ሓሊፍካ፡ ኣብ ዕለት 11 ዝተቓጸላ ታንክታት ህዝባዊ ግንባር ነበራ። ንሳተን፡ ካብ ስኔማ ኣይዳ ድሕሪ ምብጋሶም፡ ከም ካልኣይ መወዳደቢ ድፋዕ ክጥቀሙለን መምርሒ ተዋሂቡዎም ነበረ። ነቲ ዝተዋህቦም መብርሂታት ብመነጸር ሜዳ ኣሰንዮም ምስ ተዓዘቡዎ፡ ንኣተኣታትዋኦም ናብ ዝምልከት ኣሰላልፋን ምውዳብን ኣተዉ።

ሰብኣዊ ክሳራታት ንምውሓድ ምእንቲ ኽከኣል፡ በብጋንታአን ተኸፋፊለን ክኣትዋ ተወሰነ። ብጎይትኦም ዮውሃንስ (ወዲ ኮረሪን) ብብሉጽ ጠዓመን ትምእከል ካልአይቲ ጋንታ ቅድሚት፣ ብሃይለ ወልደኣምላኽን ሳልሕ ዓፋን ትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ድማ ድሕሪኣ፣ ብተኸስተ ዘውደ ትምእከል ሳልሰይቲ ጋንታ ድማ መወዳእታ። ነፍሲ-ወከፍ ጋንታ ድማ፡ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፋፊላ፡ ነፍሲ-ወከፍ ጕጅለ ክሳብ ትሽዓተ ኣባላት ዝሓቘፈት ኮይና ጠቕላላ ኣብታ ሓይሊ ዝነበረ ዓቕሚ ሰብ 65 ይበጽሕ። እተን ጕጅለታት ቅድምን ድሕርን ማዕበላዊ መልክዕ ተኸታቲለን ንውሽጢ ክስጉማ ኸለዋ፡ ኣብ መንጎ ነፍሲ-ወከፍ ጕጅለ 50 ሜትሮ ጋግ ነይሩወን።

ኣጋጣሚ ዀይኑ፡ እታ ብሉጽ ጠዓመ ዝጠርነፋ ቀዳመይቲ ጕጅለ ናይ ካልኣይ ጋንታ፡ ክሳብ ፍርቂ ድንድል ስጋለት ቀጣን ትበጽሕ ብዘይ ተቓውሞ ተጓዕዘት። ቀዳመይቲ ዝተበገሰት ጋንታ ክሳብ ክንዳኡ ርሕቀት እትጓዓዝ ጸላኢ ተቓውሞ ዘይምግባሩ፡ ገለ ምኽንያት ክህልዎ ነይሩዎ፣ ምናልባት ነቲ ናይቶም ተጋደልቲ ዋሕዲ ርእዩ፡ ኣበይ ክበጽሑ ይኽእሉ ዝብል ኣረኣእያ ገይሩ ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ወገን ዝግበር ዝነበረ ጽዑቕ ናይ ከቢድ ብረት ሽፋን’ውን ንጸላኢ ርእሱ ክጸቅጥ ገይሩዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ምኽንያቱ፡ እቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ደብዳብ ጸላኢ ብዘይመጠን ግዙፍ እዩ።

ኮሚሳር ጋንታ ብሉጽ ጠዓመ፡ ኣብተን የማን-ጸጋም ጽርግያ ዝነበራ ኣዘንዳታት (ናብ ባሕሪ ገጹ ውጽእ ዝበለ ቅርጺ) ንሓደ መድፍዓጂ ብሬንን ፒኣርሲ- 77 ዝሓዘ ኦፐሬተርን ገዲፉ፡ ንኻልኦት ሒዙ ንቕድሚት ተወርወረ። ካብ’ዚ ቦታ’ዚ ንደሓር ግን፡ እታ ጕጅለ ካብ ጸላኢ ጽዑቕ ናይ ተቓውሞ ተዅሲ ኣጋጠማ። ነቲ ካብ የማን-ጸጋም ወሰናስን ባሕሪ ጥዋለት ዝመጽኣ ዝነበረ ሓያል ተቓውሞ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ብዝባን ጽርግያ ንቕድሚት ምግስጋስ ከም ዘየዋጽእ ገምጊማ ናብ ባሕሪ ወረደት።

እቲ ባሕሪ ግን ምልኣት ነበሮ። ወሪዶም በቲ ቐላይ ክግስግሱ እንተፈተኑ፡ ኣብ ከባቢ ኣፍልቦም በጺሑ ከሰጉሞም ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት፡ እንደገና ናብ ዝባን ጽርግያ ስጋለት ደየቡ። ካብ ፍርቂ ቀጣን ስጋለት ቍሩብ ሓሊፍካ፡ ነተን ኣብ ዕለት 11 ብጸላኢ ዝተሃርማ ታንክታት ህዝባዊ ግንባር ኢኻ ትረክብ። ብዘይካአን ካልእ ንርእስኻ ክትክውለላ እትኽእል ነገር ኣብቲ መስመር ኣይነበረትን። ኣብ ምብጋሶም፡ ነተን ዝዓነዋ ታንክታት ከም መወደቢ ክጥቀሙለን መምርሒ ተዋሂቡዎም ስለ ዝነበረ፡ ተቐዳዲሚም ናብኣተን ተጸግዑ። ግን፡ ጸላኢ’ውን ተጋደልቲ ከምኡ ክጥቀሙለን ከም ዝኽእሉ ገሚቱ ስለ ዝጸንሐ፡ ካብ ወሰናስን እንዳበረድ፡ ጸጋማይ ወገን ባሕርን ፓላሶታትን ዝብገስ፡ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ዳርባ ኣጽዒቑ ኣብኣተን ሃረመ። እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓውሞ ዝያዳ ካብ ጸጋም እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ማእከልነት ጋንታ ብሉጽ ጠዓመ ጀሚርካ ብዙሓት ካብታ ጕጅለ መውጋእቲ ኣጋጠሞም። ብሉጽ ጠዓመ፡ ማህረምቱ ከቢድ ስለ ዘይነበረ፡ ነቶም ብድሕሪት ዝሰዓቡ ብጾቱ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን፡ ብረድዮ ርክብ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ምዕባለ ካብ ምሕባርን ደው ኣይበለን።

ንኣብነት፡ እቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ነዋሕቲ ኣጽዋር ሓይሉ ናብዚ ሕጂ ታንክታት ዘለዋኦ ሓወልቲ ቅድሚት ሓሊፉ ይሃርም ስለዝነበረ፡ እቲ ቀንዲ ነቶም ዝሃጅሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይጽግዑ ዝቃወም ዝነበረ ጸላኢ ድማ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ብምንባሩ፡ ንስታፍ ስለያ መድሃኔ ደባስ፡ እቲ ናይ ጕልባብ ኣጽዋር ናብ መርገጺ ባይታ ከባቢ ወሰን ማይ ባሕሪን እንዳ በረድን – ስሒቦም ከም ዝሃርሙ ክገብር ሓበሮ። ብኡ መሰረት ኸኣ እቲ ተዅሲ ተማሓይሹ ጽቡቕ ታርጌት ስለ ዝሃረመ፡ ኣድማዒ ነይሩ።

እቶም መውጋእቲ ዘጋጠሞም ተጋደልቲ፡ ናብ’ቲ ብመጠኑ ፍዅስ ዝበለ ተቓውሞ ዝነበሮ ሸነኽ እንዳ በረድ፡ ኣብ ወሰን ማይ ባሕሪ ናብ ዝነበረ ኮንኲሪታት ተጸጊዖም፡ ነቲ ዅነታት ምክትታሎም ቀጸሉ። ቀዳመይቲ ጕጅለ ብመውጋእቲ ኣብ ዝተዓናቐፈትሉ ህሞት፡ ጎይትኦም ወዲ ኮረሪ ዝሓዛ ካልኣይቲ ጕጅለ ናይ ካልኣይ ጋንታ፡ ብቕልጡፍ ተደሪባ ነቲ ናህሪ ከም ዝዕቀብ ገበረት። ድሕሪ ካልኣይቲ ጕጅለ ናይ ቀዳማይ ጋንታ ዝስዕቡ ዝነበሩ መራሒ ካልኣይቲ ጋንታ ሃይለ ወልደኣምላኽ እውን ኣርከበ’ሞ፡ ብቐዳምነት ካብ’ቲ ተሃሪሙ ኣብ ጸግዒ ኮንኲሪት ዝጸንሖ ተጋዳላይ ብሉጽ ጠዓመ ሓበሬታ ተመገበ።

እዘን ካብ ድሕሪት ኣርኪበን ምስ ቀዳሞት ዝድረባ ዝነበራ ጋንታታት’ውን፡ ኣብ መንገዲ ስጋለት ሓያለይ ብጾት ብመስዋእትን መውጋእትን ተጓዲሎመን እዮም። ብመሰረት ተዘክሮ ናይ ሽዑ ኣጋር ሓኪም ጋንታ ተጋዳላይ ኤፍሬም ወለደዮሃንስ፡ እተን ጋንታታት ስጋለት ቀጣን ንምስጋር ዝሰገራኦ ምረት ከቢድ ነበረ።

ኤፍሬም፡ ምስ’ታ ቅድሚት ዝሃጀመት ጋንታ እዩ ተበጊሱ። እቶም ተጋደልቲ ካብ ጽርግያ ናብ ጸጋማይ ሸነኽ ባሕሪ ወሪዶም ብቐላይ ክስጉሙ ኣብ ምጅማሮም፡ ተጋዳላይ ኪዳነ ክልተ ብርኪ ኢዱ ተወግአ። ኤፍሬም ንዕኡ ንምሕካም ካብ ሳንጣ ባንደጅ ኣውጺኡ ክጅንነሉ ኸሎ፡ ነታ ናውቲ ሕክምና ዝሓዘት ሳንጣኡ መቐመጢ ድሩቕ መሬት ስኢኑላ ከይተረድኦ ኣብቲ ቃላይ ኮፍ ኣበላ። እቲ ባሕሪ ድማ ነታ ሳንጣ ወሲዱ ካብ ኤፍሬም ኣርሓቓ። ጌና ናብ ጥልቀት ባሕሪ ቅድሚ ምብጻሓ ንኸትርፋ – ናይ ምሕካም ስራሑ ደው ኣቢሉ ነታ ሳንጣ ኣርኪቡ ሓዛ።

ይቕጽል