ካልኣይ ክፋል
እቲ ኣብ ውሽጢ ከበባ ኣትዩ ዝዋጋእ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ፡ ንገባር ቈልዓ ሰበይቲ ጅሆ ሒዙ ኮፍ በለ። እዚ ጉዳይ’ዚ ዘተሓሳሰቦም መራሕቲ ውግእ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 መጥቃዕቲ ደው ኣቢሉ ካልእ ፍታሕ ሃሰስ ክብል ጀመረ። ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ካብ ዝተፈተነ ሓደ፡ ብመንገዲ’ቶም ኣቐዲሞም ዝተማረኹ ላዕለዎት መኮነናት ደርግ ኣቢልካ ብሰላም ኢዱ ክህብ ጻውዒት ምትሕልላፍ ነበረ። ከም ጀነራል ጥላሁን ክፍለ ኣዛዚ ኮር 606፡ ዓሊ ሓጂ ናይ ሞተራይዝድ ክፍለጦር፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኮማንደር ጸጋየን ካልኦት ብስራሕ ናብ ናቫልበይዝ ኣትዮም ዝጸንሑ ኣጋይሽን ድሮ ተማሪኾም ነበሩ። እዚኣቶም፡ ኣብቲ ኣብ ፈርቶ ዝነበረ ብኮንኩሪት ዝተሰርሐ ወተሃደራዊ ናይ ትሕቲ መሬት ህድሞ ምስ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊታትን ተዓቚቦም ነበሩ።
ብርጋደር ተሾመ ተሰማ ኢዱ ዝህበሉ መንገዲ ንምንዳይ እምባኣር፡ ኣብ መንጎ እቶም ተጋደልትን እቶም ምሩኻትን ብዙሕ ምይይጥ ይግበር ነበረ። እዞም መኮነናት እዚኣቶም፡ ንጀነራል ተሾመ ብረድዮ ርክብ ረኺቦም ከዘራርቡዎ ፈቲኖም’ኳ እንተ ነበሩ፡ ግን መልሲ ኣይሃቦምን። ደብዳበ ተጻሒፉ ብኽልተ ጻዕዳ ጨርቂ እናመልከቱ ንስጋለት ሰንጢቖም ዝኣተዉ ምሩኻት’ውን መልእኽቶም ንጀነራል ተሾመ ኣረኪቦም ነይሮም። ግን ሕጂ’ውን መልሲ ኣይሃበን። ቀጺሎም፡ ኣብ 14 ለካቲት ብድምጺ ናይቶም ጀነራላት ዝተመልአ መጸዋዕታ ተዳልዩ፡ ብመጕልሒ ድምጺ ብሰላም ኢዱ ክህብ ከም ዘለዎ ተጸዊዑ ነይሩ።
ኣብታ ብመጕልሒ ድምጺ ዝተኻየደት ጻውዒት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ሓደ ጆን ዝተባህለ ናይ ቀደም ምሩኽ ግን ናጻ ዝተለቐቐ’ሞ ክጋደል ዝወሰነ ኣምሓራይ ወዲናዝሬት ነታ መደብ ይመርሓ ነበረ። ሓላፊ ስታፍ ስለያ ክ/ሰራዊት 70 ተጋዳላይ መድሃኔ ደባስ፡ ሰኣላይን ጋዘጤኛን ፍጹም ገብራይ፡ ጋዜጠኛ መምህር ተኸስተ ገብረመድህን፡ መምህር ሰመረ ናይ ክ/ሰ 85 ባህሊ፡ ሓደ ስሙ ዘይተዘከረ መኪና ዝመርሕ ተጋዳላይን ነበሩ። ነቲ መጕልሒ ድምጺ ኣብታ ጂፕ ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ጽዒኖም፡ ሓንሳብ ካብ ስኔማ ኣይዳ ንጸጋም ኣብ ዘሎ ፍርስራስ ገዛውቲ፡ ካልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ግራር ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ፓላሶ ደይቦም ክልተ ግዜ ሰላማዊ መጸዋዕታ ተገብረሉ። እቲ መጸዋዕታ ኣብ ዕለት 14 ኣጋ ምሸት ዝተገብረ ኮይኑ፡ ገደብ ግዜ 24 ሰዓታት ተዋህበ።
እንተዀነ፡ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ከበባ ዝወደቐ ሰራዊ ብ/ጀነራል ተሾመ ተሰማ፡ ጌና ብተስፋን መብጽዓታትን ላዕለዎት ሓለፍቱ ስለ ዝዓፍተወ፡ ነታ ጸባብ መንገዲ ረጊጡ፡ ብግንባር ግንዳዕን ብባሕርን ንዝግበር ዝነበረ ኮንቱ ፈተነ ብሃንቀውታ ተጸበየ። ብፍላይ ነቲ ብነፈርቲ መጺኡ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝተራገፈ ሰራዊት ኣብ ሓጺር ግዜ ክረድኦ ተተስፈወ። እንተዀነ፡ እቲ ክረድእ ዝተላእከ ሰራዊት፡ ነቲ ኣብ ታኼላ ዝተሸመመ ወገኑ ከድሕንስ ይትረፍ ንነብሱ’ኳ ክከላኸል ኣይበቕዐን። ካብ ነፈርቲ ኣብ ደሴት ዳህላክ ተራጊፉ፡ ቀጺሉ ብጃላቡ ገይሩ ናብ ርእሲ ምድሪ ክጽጋዕ ምስ ተበገሰ፡ ኣብቲ ዅሉ ከይበጽሐ፡ ዙ-23 ብዝጸዓና ፈጣናት ጃላቡ ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ተሃሪሙ ድራር ዓሳ ኰነ። ካብተን ንሓገዝ ዝተላእካ ጃላቡ ጸላኢ፡ እታ ቀዳመይቲ ምስ ዘሳፈረቶም ሰራዊት ክትማረኽ ከላ፡ እታ ዝዓነወት ካልኣይቲ ድማ 25 ረይሳታት ወተሃደራት ሒዛ እናተገፍዐት ናብቲ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩዎ ቦታ -ናብ ኢንገል- መጽአት።
መርከብ MS-41 እውን ዕጫ ናይተን ብመጥቃዕቲ ጃላቡ ሓይሊ-ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ዝዓነዋ ብጾታ በጺሑዋ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ደሴ ጥሒላ ትርከብ። እዚኣ፡ ካብ መንግስቲ ሆላንድ ንሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተዋህበት ዓይነት ጸራጊት ፈንጂ ነበረት። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝዓነወት ካልእ መርከብ፡ ብማዕበል ተገፊዓ ኣብ ከባቢ ኢንገል ደለመ ዝበሃል ቦታ ትርከብ። እዛ ድሒራ ዝተጠቕሰት መርከብ፡ ማዕበል እናደፍአ ብጸልማት ናብቶም ብወገን ኢንገል ዝነበሩ ማሪን ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ከቕርባ ከሎ፡ እቶም ተጋደልቲ ጥዕይቲ መሲሉዎም ብጌጋ ክትኩሱላን ክዋግኡዋን ሓደሩ። ምስ በርሀ ቀሪቦም ምስ ረኣዩዋ ግን ኣብ ውሽጣ ሰብ ዝበሃል ኣይጸንሖምን።
ንበዓል ኣድሚራል ጣሰውን ካልእ ኣገደስቲ መኮንናት ጽዒና ዝነበረት ካልእ መርከብ’ውን፡ ብታንከኛታት ኣሃዱ ህዝባዊ ግንባር ዓነወት። እዛ መርከብ’ዚኣ፡ ብሰንኪ ባሕሪ ምጋሹ ካብ ከባቢ ወደብ ከይወጽአት ከም ዝተደናጐየት እያ ትፍለጥ። ብኡ ምኽንያት፡ ባሕሪ ክመልኣላ እናተጸበየት ከላ ታንኪ ህዝባዊ ግንባር ኣርኪባ ቦምባ ረኰዐትላ። ምስ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ መኮንናት ሓሪራ ሕጂ ኣስካሬና ኣብ ወሽመጥ ሕርጊጎ ተገፊዓ ትርከብ።
እቲ ዅነታት ከምዚ እናሃለወ፡ ብርጋደር ጀነራል ተሾመ ተሰማ ግን ነቲ ምዕባለ ናበይ ገጹ ይዘብል ከም ዝነበረ ኣይገምገሞን። ንዅሉ ሰላማዊ ጻውዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ዝተዋህበ 24 ሰዓታት ናይ ግዜ ገደብ ተጸንቂቑ 15 ለካቲት ኰነ። እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ዝነበረ ዘይተወደአ ኵነታት ንምውጋን ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር’ውን፡ ኢዶም ኣጣሚሮም ጥራይ ነቲ ጀነራል ይጽበዩ ኣይነበሩን። ክንዮው ሰላማዊ ፍታሕ ዝኸደ ናይ ምጽፋፉ መንገዲታት ኣብ ምሕንጻጽ ነበሩ።
እቲ ብቐዳምነት ተመዲሙ ዝነበረ ስራሕ፡ ጥዋለትን ርእሲ-ምድርን ንምቍጽጻር፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝለዓለ ሓላፍነት ክወስዱ ተሓሲቡ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ጠለቕቲ (divers) ኣባላት ሓይሊ-ባሕሪ ካብ ናቫልበይዝ ናብ ርእሲ-ምድሪ ኣስጊርካ መርገጺ ባይታ ምኽፋት እዩ። በዚ መሰረት፡ በታ ካብ ናቫልበይዝ ናብ ርእሲ ምድሪ ዝሓጸረት ሰንጣቒት ከይተራእዩ ብውሽጢ ባሕሪ ንምስጋሮም ኣድላዪ ዘበለ ናይ ሓንበስቲ ዕጥቂ ካብ ዓጊግ መጺኡ ተዳለወ። እንተዀነ እዚ’ውን ብኽኢላታት ባሕሪ ምስ ተመርመረ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ከም ዘለዎ ተገምገመ። ሓንበስቲ ኣብ ጥልቀት ከለዉ ቦምባ ናይ ኢድ ኰነ ናይ መዳፍዕ እንተ ተፈንጂሩ፡ በቲ ዝፍጠር ድምጺ ኵላቶም ህይወቶም ናይ ምስኣን ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ተረጋገጸ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝፍጠር ጸቕጢ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ። ብተወሳኺ፡ ኣብ 14 ለካቲት ነፈርቲ ውግእ ጸላኢ ኣብ ናቫልበይዝ ብዝፈጸማኦ ደብዳብ፡ ገለ ካብ ጠለቕቲ መስዋእትን መቝሰልትን ስለ ዘጋጠሞም ምስንኻላት ኣጋጠመ። ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ኣማራጺ፡ ኣጋር ሰራዊት ኣብተን ፈጣናት ጃላቡ ጽዒንካ ካብ ናቫልበይዝ ነቒልካ ጸላኢ ኣብዘይተጸበዮ ሃንደበት ኣብ ጫፍ ርእሲ ምድሪ ምርጋፍ እዩ።
ነዚ ንምትግባር ኣብ ዕለት 15 ናይ ተብተብ ምቅርራብ ክካየድ ወዓለ። ብቐዳምነት እተን ሰራዊት ጸጽዒነን ከሳግራ ዝተመዘዛ ሰለስተ ጃላቡ ኣብ ዝባነን ተኣሲሩ ዝነበረ ኣጽዋር ኵሉ ከም ዝወርድ ብምግባር ድልዋት ኰና። ሓሙስ ምሸት ድማ፡ ካብ ኣባላት ኣጋር ከቢድ ብረት ዘካተተ 60 ተጋደልቲ ናይ ክፍለ ሰራዊት 70 ኣብ እንዳ ቡልጋርያ (ናቫልበይዝ) ተኣኻኸቡ። ሓደ ካብቶም ብሰለስተ ጃላቡ ክኣትዉ ዝተቐረቡ ተጋደልቲ፡ መራሒ ሓይሊ ኣብ ኣጋር ቦጦሎኒ ከቢድ ብረት ክፍለ ሰራዊት 70 ብርሃነ ተወልደ (ሰንጋል) ነበረ። ነቲ ናብ ርእሲ ምድሪ ቅድሚት ክኣቱ ዝተዳለወ ሰራዊቶም ዝተዋህበ መግለጺ ድማ እዚ ዝስዕብ ምንባሩ ኣብ ሰነዳት ፈንቅል ንረኽቦ፤
“ኣብ ጃላቡ ተሳፊርና ኣብ ወሰን ርእሲ ምድሪ መሬት ብምርጋጽ፡ ናብቲ ኣብ ወደብ ዘሎ ጸላኢ ክንሃጅም ኢና፣ ብስጋለት ሰይሮም ናብ ጥዋለት ዝኣትዉ ብጾት’ኳ እንተ ሃለዉ፡ ግን ቀንዲ ፈታሒ ናይዚ ወጥሪ እዚ ብርእሲ ምድሪ ዝኣቱ ዘሎ ሰራዊት እዩ። ብጻየይ ተወጊኡ ኢልካ ምጅናን ምልዓልን የለን። ከመይ ጌርካ ዕላማኻ ትወቅዕ ጥራይ ሕሰብ። ነዊሕ ስረ ይቈረጽ፣ ኣብ ኵሉ ተጋዳላይ ዘይበጽሓ ቁሩብትለይ መሐንበሲ፡ ጃሎን ብራሾ ተቐሪቡ ስለ ዘሎ ንዕጠቆ። ንእሽቶ መርገጺ መሬት ክንጸርግ እንተ ኽኢልና፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝስዕበና ሰራዊትና ጸገም ኣይክህልዎን እዩ፡” ዝብል መግለጺ ነበረ።
እቶም ተጋደልቲ፡ ተመኩሮ ናይ ባሕሪ ዘይብሎም ክንሶም፡ ግን ዛዛምን መፈጸምታን ዓወት ፈንቅል ንምቅልጣፍ ድሌቶም ልዑል ስለ ዝነበረ፡ ብሓጐስ ተቐበሉዎ። በብኣመዳድባኦም’ውን ናብተን ፈጣናት ጃላቡ ተሳፈሩ። እተን ሰለስተ ጃላቡ ነፍሲ ወከፈን 20 ካብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ከክልተ ዝዀኑ ተሓጋገዝቲ ጠለቕቲ ኣባላት ሓይሊ-ባሕርን ሒዘን ነቐላ። ነተን ሰራዊት ዝጸዓና ሰለስተ ጃላቡ ዘሰንያ ተወሰኽቲ ክልተ ረሽራሽ ዝጸዓና ፈጣናት’ውን ብሸነኽ ምብራቕ ምዕራብን ዓጀባአን። ክሳብ ዝተወሰነ ርሕቀት ብሚኒሞ (ዝሑል ፍጥነት) ቀረባ’ሞ ድሕሪኡ ብናህሪ ተጸጋዓ።
ናብ ወደብ ክትኣቱ ከለኻ ቀይሕን ቀጠልያን ክልተ መብራህቲ ኣሎ። ብወገን ሓይሊ ባሕርን ብወገን ወደብን እየን ዘለዋ። እታ ብወገን ናቫልበይዝ ዘላ መብራህቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ማዕበል ከይኣቱ ተባሂሉ ኣብ ዝተገብረ ጀቲ ዝበሃል ህንጻ እያ ዘላ። እተን ጃላቡ ናብ ርእሲ ምድሪ ክሰግራ ኸለዋ፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጀቲ ኮይኖም ነቲ ምዕባለ ይከታተሉዎ ነበሩ።
እቲ ብስጋለት ሴርካ ናይ ምእታው ውጥን’ውን ብማዕረ ምስ ናይ ርእሲ ምድሪ ክሰላሰል ኣምሰየ። ኣብ ከባቢ ፋዱስ ናይ ዕለት 15 ስታፍ ስለያ ክፍለ ሰራዊት ተጋዳላይ መድሃኔን በላይ ህንጻን ምስ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ፍሊጵስ ወልደዮሃንስ ኣብ ፎርቶ ነበሩ። ፍሊጶስ ንኽልተኦም ሓለፍቲ ስለያ ጸዊዑ፡ “እሞ ሎሚ ምሸት መጥቃዕቲ ኣላ፣ መስመር ስጋለት ብኣኹም ክኽፈት መዲብና ኣለና ትኽእሉ ዲኹም?”
“ሕራይ”
ጋንታታት ስለያ ክፍለ ሰራዊት 70፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ነቶም ኣብ ምትሓዝ ዕዳጋ፡ ናቫልበይዝን ግራርን ዝተማረኸ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ጸላኢ ተቐቢላ ናይ ሓለዋ፡ ምርመራታትን ሰነዳት ናይ ምእካብ ስራሕን ትነጥፍ ነበረት። ክሳብ ዕለት 14 ድማ ነዚ ዝተጠቕሰ ዕማም ሒዛ ኣብ ከባቢ ደጎሊ ነበረት። መድሃኔ ኸኣ፡ ካብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ተጋዳላይ ፍሊጶስ ትእዛዝ ምስ ተቐበለ፡ ናብተን ኣብ ደጎሊ ዝነበራ ጋንታታት ብራድዮ ርክብ መልእኽቲ ገይሩ፡ ብህጹጽ ኣብ እምኩሉ ከባቢ ናይ ሕጂ መቓብር ሓርበኛታት ክርከቡ ጸውዖም።
እተን ጋንታታት፡ ሒዘናኦ ዝጸንሓ ዕማም ንኣባላት ሃንደሳ ክፍለ ሰራዊት ኣረኪበን በቲ ዝተበሃላኦ ግዜ ኣብ ቈጸራ ዝተገብረለን ቦታ ተረኽባ። ሓይሊ፡ ኣብ ትሕቲ ቢንቶታት መገዲ ባቡር ድሕሪ ምእካባ፡ ካብቲ ተቐሪቡላ ዝጸንሐ ኣድላዪ ዝተባህለ ተተኰስቲ ከም እትዓጥቕ ተገብረ። ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበራ ዝምላእ ጠያይትን ንነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ሓሓምሽተ ቦምባ ኢድን 300 ጠያይትን ተወሰኾ። እቲ ልሙድ ዕጥቂ ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያ ናይ ክልተ ካዝና ኮይኑ፡ ካብ 90 ጠያይት ንላዕሊ ይዓጥቕ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ነቲ ዝተዓደሎ ቦምባን ጠያይትን ዝኸውን መትሓዚ’ውን ስለ ዘይነበሮ ኣብ ወተሃደራዊ ሳንጣን ካልእ መቛጸርን ገይሮም ተሰኪሞሞ እዮም ኣትዮም። ድሕሪ’ዚ ሓይሊ 33 (ስለያ) ትኽ ኢላ ናብ ዕዳጋ ከባቢ ስኔማ ኣይዳ ናብ ዝነበረ መከላኸሊ ቦታ ተጋደልቲ በጽሐት።
ይቕጽል