ክፍለ-ሰራዊት 70፡ ናደው እዚ ድሕሪ ምድምሳሱ ኣብ የማናይ ክንፊ ግንባር መስሓሊት ዓረደ። ኣብ ድፋዓት ዕጨ ደብራይ፡ ሃገረግኒን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ናብ ሩባ ዓንሰባ ዘብል ከባቢታትን መከላኸሊ መስመር ሒዙ ነበረ። እቲ ውድብ ውጥን ስርሒት ፈንቅል ምስ ነደፈ ግን፡ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 1990 ካብ ድፋዓቱ ወሪዱ ንሓጺር እዋን ኣብ ከባቢ መልመለትን ገልጠምን ታዕሊም ከካይድ ጸንሐ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ማዕበል ራድዮ ርክብ ብምውጻእ ናይ ርኽክብ ጸጥታ መስሪቱ ስለ ዝነበረ፡ ጸላኢ ስግኣትን ሻቕሎትን ሓደሮ። ነቲ ብልዑል ምስጢር ተታሒዙ ዝነበረ ውጥን ንምዕቃብ እምባኣር፡ ትጽቢታትን ኣንፈትን ጸላኢ ቀይርካ ንምትላሉ ሓደ ናብ መናውራ ምንቅስቓስ ክፍጠር ነይሩዎ። ብኡ መሰረት፡ ቅድሚ ባጽዕ ምህራም እቲ ክፍለ ሰራዊት ሃንደበት ኣብ ኣሶሳ ከም ዘጥቅዕ ስለ ዝተገብረ፡ ግምታትን ትጽቢታትን ጸላኢ ኣብዚ ከም ዝድምደምን ከም ዝዕጾን ኰነ።
ኣብዚ ብንጹር ክበርህ ዝግባኦ እንተሎ፡ ሓንቲ ብርጌድ ናይቲ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ኣሶሳ ኣይተሳተፈትን። ብርጌዳት 71ን 20ን ጥራይ እየን ናብኡ ተጓዒዘን። ካብተን ሰለስተ ጋንታታት ስለያ’ውን ቀዳመይቲ ጋንታ ኣይከደትን። እተን ክልተ ጋንታታት ጥራይ ብኮሚሳር ስታፍ ስለያ ተጋዳላይ በላይ ህንጻ ተጠርኒፈን፡ ምስ’ተን ዝነቐላ ክልተ ብርጌዳት ናብ ኣሶሳ ኣምርሓ። እታ ዝተረፈት ሓንቲ ጋንታ ድማ ምስ ብርጌድ 10 ኣብ ከባቢ ገልጠም ተረፈት’ሞ፡ ድሕሪ ምብጋስ ናይተን ናብ ኣሶሳ ዝኸዳ ኣሃዱታት ቀጥታ ናብ ምብራቓዊ ግንባር ኣምርሐት።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ምብራቓዊ ግንባር ብኽፍለ- ሰራዊት 85 ተታሒዙ ነበረ። በዚ ምኽንያት፡ ዳርጋ ካብ ሰሜናዊ ባሕሪ ጀሚርካ ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ግንባር ጎላጕል፡ ብኣባላት ስለያ 72 ከምኡ’ውን ስለያ ክፍለ- ሰራዊት 85ን መጽናዕቲ ክግበረሉ ጸንሐ። እታ ብሃይለ ወልደኣምላኽን ሳልሕ ዓፋን ትምእከል ቀዳመይቲ ጋንታ ስለያ ክፍለ ሰራዊት 70 ድማ፡ ኣብ ቀርዋርሕ ምስ’ዞም ናይ ክፍለ ሰራዊት 85 ተራኸበት። እቲ ርክብ፡ ብደረጃ ስታፍ ስለያ ክፍለ ሰራዊት 70 ተጋዳላይ መድሃኔ ደባስ ተኻየደ። ዕላማ ምኻድ ናይታ ጋንታ ናብቲ ግንባር፡ ብርጌዳት ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብ ኣሶሳ ተመሊሱ ኣብቲ ግንባር እጃሙ ወሲዱ ቅድሚ ምስላፉ ምስቲ ከባቢ ተላልያ ክትጸንሕ ምእንቲ ነበረ።
በዚ መሰረት፡ እታ ጋንታ ነቲ ካብ ከንቲባይ ክሳብ ወሰን ባሕሪ ከባቢታት ወቒሮ ዝነበረ ብኽፍለ ሰራዊት 85 ዝተጸንዐ ቦታታት ተረከበት። ኣብ ጕጅለታት ተኸፋፊላ ድማ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጸንዐ ቦታታት፡ ንምንቅስቓሳት ሰራዊት፡ ሚካናይዝድን ኣተሓሕዛ መዓስከራትን ዝመጽአ ለውጥን ምቅይያራትን ከይህሉ፡ ብኣካል እናተንቀሳቐሰት ንሓደ ወርሕን ክልተ ቕነን ዝኣክል ብዘይ ምቍራጽ ክሳብ በዓል ግሬቶ ረገጸቶ።
ማዕረማዕረ’ዚ፡ እቲ ናብ ኣሶሳ ዝተጓዕዘ ኣሃዱታት’ውን ድሮ ካብ ስግረ-ዶብ ተመሊሱ ንሓጺር ግዜ ኣብ ሃበሮ ዕረፍቲ ወሰደ። ስርሒት ፈንቅል ዝጅመረሉ ግዜ እናተቓረበ ምስ መጽአ ግን፡ እቶም ብርጌዳት ካብ ሃብሮ ተላዒሎም ቀጥታ ናብ ግንባር ምብራቓዊ ጎላጕል ተጓዕዙ። ብፍላይ እቶም ኣብ ኣሶሳ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ሓለፍቲ ናይተን ክልተ ጋንታታት ስለያ፡ ቀዲሞም ኣብቲ ግንባር ተረኺቦም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝህልዎም እጃም ፈለጡ። በዚ መሰረት፡ ሰለስቲኤን ጋንታታት ኣብ ሰለስቲአን ብርጌዳት ከም ዝከፋፈላ ተገብረ።
ኣሰላልፋ ብርጌዳት ክ/ሰራዊት 70 ኣብ ጎላጕል፡ ብርጌድ 71 ጸጋም ብሸነኽ ባሕሪ፣ ብርጌድ 20 ማእከል፣ ብርጌድ 10 ድማ ምስ ክፍለ ሰራዊት 85 የማን ነበራ። ናብ ናይ መጨረስታ መበገሲ ቦታአን ንምጽጋዕ፡ ብኣባላት ስለያ ተመሪሐን ዕለት ሽዱሽተ ካብ ከባቢ ሽዕብ ተንቀሳቐሳ። ዕለት ሸውዓተ’ውን ኵላተን ብርጌዳት ኣብ ዘይነብ ዛራ ተዓሺገን ብምውዓል፡ ንምሸቱ ናብ ሸቶታተን ተጸጋዓ።
እቲ ንኽፍለ-ሰራዊት 70 ዝተዋህበ መደብ፡ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብወገን ዓዲ ዕለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ ስዒቡ ንዝመጽእ ምዕባለ ምንቅስቓስ ጸላኢ ተኸታቲልካ ግብረ-መልሲ ምሃብ ነበረ። ልክዕ በቲ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ሰዓት 01፡ 00 ናብ ዕለት ሸሞንተ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዓዲ ዕለ መጥቃዕቲ ምስ ተጀመረ፡ ጸላኢ ንድሕሪ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ተጠውዩ ክርደና ክገብር ንቕድሚት ተንቀሳቐሰ። ብርጌዳት ክፍለ ሰራዊት 70 ብወገነን -ብፍላይ እተን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 20ን ብርጌድ 71 ብምሉኣን- ጸላኢ ኣብ ዘይተጸበዮ ቦታ ኣድብየን ብምጽናሕ ሕርሕራይ ገይረን ድሂኸን ንድሕሪት መለሳኦ። እግሪ እግሩ እና ሰዓባ’ውን ተዀባዂበን ንቕድሚት ገስገሳ። ጸላኢ፡ ምስ ምጅማር’ቲ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ፡ ንረዳት ካብ ባጽዕ ተበጊሱ እናተሃንፈፈ ናብ ጋሕተላይ ሓሊፉ ንገስጋስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ክዓግት ፈቲኑ ነበረ። ናህሪ ናይቶም ብየማን ተሰሊፎም ዝነበሩ ክፍላተሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ንጸላኢ ብቐሊሉ ምዕጋት ዝካኣሎ ኣይነበረን። ብተወሳኺ፡ እቲ ብጸጋም ክሳብ ገማግም ባሕሪ ዝተሰለፈ ኣሃዱታት’ውን ናህሩ ዓቂቡ ናብ ባጽዕ ስለ ዝገስገሰ፡ ጸላኢ ካብ ጋሕተላይን ድግድግታን ምስ ተደፍአ ሃዲሙ ናብ ባጽዕ ክኣቱ ፈተነ።
እንተዀነ፡ እቲ ካብ ባጽዕ ናብ ጋሕተላይ ክጓዓዝ ከሎ ሰላማዊ ዝነበረ መንገዲ፡ ኣብ ምላሹ እኾኽ ተዘሪኡዎ ጸንሖ። ምኽንያቱ፡ እታ ብመራሒ ጋንታ ስለያ ሃይለ ወልደኣምላኽ መገዲ እናተመርሐት ናብ ጽርግያ ደጎሊ ዝኣተወት ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 20፡ ኣብቲ ጽርግያ ኣድብያ ብምጽናሕ፡ ጸላኢ ባጽዕ ከም ዘይኣቱ ጌራ በታተነቶ። ዝመውት ሞይቱ፡ ዝተረፈ ድማ ዝነበራኦ መዳፍዕን ታንክታትን ጠንጢኑ ናብ ብዓል ያንጉስ ገጹ ሃደመ።
ካብኡ ንደሓር፡ ብዘይካ’ቶም ናብ ሰሜናዊ ባሕሪን ናብ ደንጎሎን ገጾም ዝተሰለፉ ክፍላተ ሰራዊት ገዲፍካ፡ እቲ ባጽዕ ንምቍጽጻር ተልእኾ ዝወሰደ ክፋል ስራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ዕለት 10 ምሉእ ብምሉእ ኣንፈቱ ናብ ባጽዕ ገይሩ ገስገሰ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ጸላኢ ዝነበሮ ሓይሊ ወዳዲቡ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ጸረ- መጥቃዕቲ ክገብር ምዃኑ ምልክታት ስለ ዝተራእየ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ናህሪ መጥቃዕቱ ዓቂቡ ንቕድሚት ብምምራሽ፡ ንዕዳጋን ፎርቶን ተቘጻጸረ።
ግን፡ ሓይሊ ምድሪ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ውሽጢ ስለስተ መዓልቲ ክሳብ ናቫልበይዝን ዕዳጋን ክቈጻጸር ዘኽኣለ ተራ ሓይሊ ባሕሪ ከይዘንጋዕኻ ክዝከር ዘለዎ እዩ። ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር፡ ክሳብ 14 ዝብዝሐን ናይ 85 ሓይሊ ፈረስ ተዋጋእቲ ጀላቡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ኣሰሊፉ ነበረ። እዚ ሓይሊ’ዚ ናብ ክልተ ጭፍራታት ተኸፋፊሉ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፈ። እቲ ሓደ ኣብ መጻብቦ ደቡባዊ ምብራቕ ባጽዕ ሓሊፉ ንመስመር ዓሰብ ባጽዕ ክከታተል እንከሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ዓቕሚ ዝነበሮ ካልኣይ ጭፍራ ድማ ብሰሜን ባጽዕ ናብ ወቒሮ ቀሪቡ ዝተሰለፈ ነበረ።
ኣሃዱታት ብርጌድ 71 ምስ ሜካ ንቕድሚት ብምግስጋስ ኣብ ፊት እምበረሚ ኣብ ዝበጽሓሉ መድረኽ፡ መራኽብ ጸላኢ ቀሪበን ክሃርማኦ ጀሚረን ነበራ። ሓይሊ ባሕሪ ጭፍራ ሰሜን ድማ ነዚ ንምዕጋስ ኣብ ልዕሊ’ተን መራኽብ ጸላኢ መጥቃዕቲ ከፈተ። መራኽብ ጸላኢ ንመጥቃዕቲ ጭፍራ ጀላቡ ህዝባዊ ግንባር ክጻወሮ ስለ ዝተሸገረ፡ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ሓተተ። እንተዀነ፡ እቲ ዝቐረበ ናይ ሓገዝ ጠለብ፡ ንሓይሊ ኣየረ ኢትዮጵያ ዘገረመ ነበረ። እተን ምስ መራኽብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጽጻር ከክንዲ ጣንጡ ዝዀና ጀላቡ ሻዕብያ፡ ነተን ከክንዲ ኣኽራን ዝዀና ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ መራኽብ ውግእ ስለ ዝበደሃአን ድየን ሓገዝ ነፈርቲ ዝሓትታ ዘለዋ? ብምባል ኣብ ውሽጦም ኣዛራቢ ኰነ።
ጃላቡ ውግእ ህዝባዊ ግንባር፡ ናብ እግሪ’ተን ዓርሞሸሽ መራኽብ ጸላኢ እናተጸጋዓ፡ በቲ ዝዓጠቓኦ መዳፍዕን ኣርፒጂታትን ኣጥቂዐን ገዚፍ ጕድኣት ከውርዳለን ምስ ጀመራ፡ ካብ ገማግም እምበረሚ ሃዲመን ተበታተና። ምስ ሰራዊት ምድሪ እናተወሃሃደ ኸኣ ዕለት 10 ንፎርቶ፡ እንዳ ስሚንቶን ዕዳጋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ሰራቲ ከእቱ በቕዐ። ኣብ 11 ለካቲት ንግሆ ኸኣ ኣብ ናቫል በይዝን ግራርን ተሰኽሲኹ ክከላኸል ንዝፈተነ ናይ ምድርን ናይ ባሕርን ሰራዊት ጸላኢ ደምሰሰ። ኣብኡ ዝነበራ ታንክታት፡ ኣስታት 1000 ዝኸውን ሰራዊት ምስ ክልተ ጀነራላት’ውን ተማረኸ።
ብዓይኒ ክኢላታት ስትራተጂ ቅዲ ኵናት ስርሒት ፈንቅል ኣብ ግራርን ናቫልበይዝን ተወዲኡ ነበረ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንናቫልበይዝ፡ ግራርን ዕዳጋን ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ናይ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ነገር ዓወት ተረጋጊጹ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እንተዀነ፡ ብርጌደር ጀነራል ተሾመ ተሰማ ዝእዝዞ ካብ 1000 ዘይበዝሕ ክፋል ሰራዊት ደርግ፡ ተኣኻኺቦም ናብ ጥዋለት ብምእታው ቅብጸታዊ ምክልኻል ቀጸሉዎ። ተቐዳዲሞም ነታ እንኮ ዝዀነት መእተዊት ጽርግያ ስጋለት ቀጣን፡ ብፈኲስ ኣጽዋር፡ ከምኡ’ውን ረሻሻት፡ ኣርፒጂታትን ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን ኣጻዊዶም ረገጡዋ። ኣብ ወደብ ንዝነበሩ እኽሊ ዝመልኡን ጨው ዝመልኡን ተረንሸዋታት ተጠቒሞም ድፋዕ ሰርሑ። ኣብቲ ህንጻ ፓላሶታት’ውን መከላኸሊ መንደቕ ሰሪሖም ጸኒዖም ተዋግኡ።
ብተወሳኺ፡ እተን ካብ ከባቢ ወደብ ብጀላቡ ውግእ ሓይሊ-ባሕሪ ዝተጸርጋ መራኽብ ጸላኢ፡ ካብ ዳህላክ እናተበገሳ ብቐጻሊ ናብ ናቫልበይዝን ዕዳጋን ደብዳብ ኣየቋረጻን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ መራኽብ-ውግእ ጸላእን ጀላቡ-ውግእ ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ዳህላክ ሓድሽ ግንባር ተመስረተ። ኣባላት ሓይሊ-ባሕሪ፡ ጀላቡኦም ነፈርቲ-ውግእ ጸላኢ ከይሃርማሎም ምእንቲ፡ ዘጥቅዕሉን ዝከላኸልሉ ግዜን ቦታን እናመረጹን እናተዓጻጸፉን መጥቃዕቶምን ምክልኻሎምን ቀጸሉ። በቲ ሓደ ገጽ ናብ ግንባር ዳህላክ እናተኸላኸለን እናጥቅዐን፣ በቲ ኻልእ ገጽ ድማ ነቲ ኣብ ርእሲ-ምድሪ ተኸርዲኑ ዝነበረ ጸላኢ ንምቍጽጻር፣ ክሳብ ሓምላይ ደሴት እናዞረ ተንቀሳቐሰ። እቲ ኣብ ርእሲ-ምድሪ ዝተኸበበ ጸላኢ ብቐዳምነት ክድምሰስ ስለ ዝነበሮ፡ ንሰራዊት ወገን መርገጺ ባይታ ዝኸውን ኣብ ዙርያ ርእሲ ምድሪ ከፋት ቦታ ንምርካብ ምፍታሹ ቀጸለ።
ኣብ ዕለት 11፡ ቀንዲ ኣካል ናይታ ወደባዊት ከተማ ንዝዀነ ደሴታት ጥዋለትን ርእሲምድርን ንምቍጽጻር ብሰራዊት ሓይሊ-ምድሪ ህዝባዊ ግንባር ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን። ሰለስተ ግዜ በብሰለስተ ብዝተጋደማ ታንክታት በሪ ጥዋለት ንምኽፋት ህጁም ተፈቲኑ፡ ግን ስጋለት ቀጣን ክትስበር ኣይተኻእለትን። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጥራይ 21 ታንከኛታት ተሰዊኦም፡ 15 ድማ እናሓንበሱ ወጽኡ። ካብተን ዝሃጀማ ሸውዓተ ታንክታት፡ እተን ሽዱሽተ ብሚሳይላት ጸላኢ ተሃሪመን ተቓጸላ። ብዘይካ’ዚ፡ እታ ዕለት’ቲኣ ህይወት 11 መራሕቲ ሓይልታት ዝርከቡዎም ናይ ልዕሊ 70 ህይወት ተጋደልቲ ሓቲታ እያ። ቀንዲ ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተሃስየት ኣሃዱ፡ ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 10 ክፍለ ሰራዊት 70 ነበራ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኣጋር ሰራዊትን ታንከኛታትን ናይቲ ውድብ ዓቢ ሰብኣዊ ሃስያ ገዲፋ ሓለፈት።
ይቕጽል