ዝኾነ ፍጡር ብህይወት ንኽነብር፡ ብቐዳምነት ካብ ዘድልይዎ ነገራት ሓደ – መግቢ እዩ። መግቢ ካብ ዝተፈላለዩ ህይወታውያን፡ ኣትክልትን እንስሳታትን ክርከብ ይኽእል። እዞም ህይወታውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት – ማለት ንቑጽ መሬት፡ ማያዊ ኣካል – ባሕርታት፡ ውቅያኖሳት፡ ኣፍላጋትን ቀላያትን ክርከቡ ይኽእሉ። ናይ’ዚ ጽሑፍ ቀንዲ ዛዕባ ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ህይወታውያን፡ ኣብ ምውሓስ መግቢ ዘለዎም ኣበርክቶ ወይ ድማ ባሕሪ ከም ምንጪ መግቢ ዝብል ክኸውን እዩ።
ዝኾነ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወታዊ፡ ተኽሊ ይኹን እንስሳ ንመዓላ መግቢ ወዲ-ሰብ ዝውዕል እንተኾይኑ፡ “መግቢ ባሕሪ” (sea food) ተባሂሉ ይጽዋዕ። መግቢ ባሕሪ ክበሃል ከሎ ብቐንዱ ዓሳታት፡ ድሩዓት ዘይዓጻማት እንስሳታት – ከም ስትሮምባኽ፡ ጋምቤሪ፡ ሎብስቶር፡ ዕንቅርቢት ባሕሪ፡ ሳብያ፡ ሕድራ ዝኣመሰሉ እንስሳታት የጠቓልል። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ምጽናት ሓደጋ ንኸይምዝመዙ ውጉዳት’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ላም ባሕሪ፡ ዓሳ ነባሪ፡ ኣቡሰላማ ዝኣመሰሉ መጥበውቲ ባሕሪ ከምእ’ውን ከም ጎብየ ባሕሪ ዝኣመሰሉ ለመምቲ ባሕሪ ዝተፈላለዩ ሕበረተ-ሰብ ዓለም ከም ምንጪ መግቢ ስለዝጥቀምሎም ከም መግቢ ባሕሪ ክምደቡ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ ንመግቢ ዝውዕሉ ከም ጻህያይ ባሕርን ሰባባን ዝኣመሰሉ ኣክትክልቲ ባሕሪ’ውን ኣካል ናይ መግቢ ባሕሪ እዮም።
ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ምንጪ መግቢ፡ ብክልተ ኣገባባት ክሕፈስ ይኽእል። እቲ ሓደ ኣገባብ ብቐጥታ መግፈፊ ናውቲ ተጠቒምካ ካብ ባሕሪ ዝግበር ግፋ ወይ ሃድን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣገባብ ድማ፡ ሰብ ብዝሰርሖ መራብሒ ጋብላታት ብምኽላል ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ኣራቢሕካ ኣብ መወዳእታ እኹል ደረጃ ዕብየት ምስ በጽሑ ምሕፋስ እዩ። መግቢ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ስጋ ዓሳ፡ ኣብ ኣቃውማኡን ማኣዛዊ ትሕዝቶኡን ካብ ናይ ከብትን ጠለበጊዕን ስጋ ዝተፈልየ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ – ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ንመግቢ ባሕሪ ከም ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን ዝጥቀመሉ።
ጥብሲ ዓሳ
መብዛሕትኡ ዝሕፈስ መግቢ ባሕሪ ንወዲ ሰብ ብቐጥታ ከም ምንጪ መግቢ ኮይኑ ከገልግል ከሎ፡ ብመጠኑ ንኻልኦት ኣብ ሕርሻ ባሕሪ ዝፋረዩ ዓሳታትን ደርሁን ከም መግቢ ኮይኖም ከገልግሉ ይኽእሉ። ገለ ዕሙራት ኣትክልቲ ባሕሪ ብዘለዎም ሃብታም ትሕዝቶ ማዕድናት ምስ ሞቱ ከም ዱኽዒ ኮይኖም ፍርያምነት መሬት ብምህብታም ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ እጃሞም የበርክቱ። ብዘይካ’ዚ ከም ፐችካነ ዝኣመሰሉ ዓሳታት ምንጪ ብማዕድናትን ቪታሚናት ሃብታም ዝኾነ፡ ከም መድሃኒት ዘገልግል ዘይቲ ዓሳ፡ ከምኡ’ውን ካብ ጻህያይ ባሕሪ ዝርከብ “ስፒሪሉና” ዝበሃል ንመድሃኒት ዘገልግል ከኒና ኣብ ምድላው ልዑል ግደ ኣለዎም። ገለ መግቢ ባሕሪ ከም ምንጪ መግቢ መጋየጺ ዓሳታት፡ ከም ድሙን ከልብን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዘቤት ብውሑድ መጠን የገልግሉ።
ወዲ ሰብ ንባሕሪ ከም ምንጪ መግቢክጥቀመሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባና እትርከብ ሃገረ ግብጺ ኣብ መቓብር ብዝተገብረ ዳህሳስ ቅድሚ 1400 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ህዝባ ዓሳ ከም መግቢ የህልኹ ከምዝነበሩ ይሕበር።
ጥንታዊ መጽናዕታት ከምዝሕብርዎ፡ ምግፋፍ፡ ምምስራሕ ከምኡ’ውን ምምጋብ መግቢ ባሕሪ ልዕሊ 40,000 ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። ኣብ ቅሪት (fossil) ብዝተገብረ መጽናዕቲ “ቲያንያን ማን” ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ እስያ ዝነብር ዝነበረ ምዕቡል ዘርኢ ወዲ-ሰብ፡ ካብ ማይ ጥዑም ዝፋረዩ ዓሳታት ብስሩዕ ይምገብ ከምዝነበረ ይሕበር።
ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት – ከም ዛዕጎላት፡ ናይ ድሩዓት እንስሳታት ዝተጓሕፉ ኣዕጽምቲ ዓሳታት፡ ኣብ በዓትታት ዝተወቕሩ ኣሳእል ከምዘረጋግጽዎ፡ መግቢ ባሕሪ ኣዝዩ ዝውቱርን ከም ቀንዲ መግቢ ወዲ ሰብን እዩ ነይሩ።
ዓይነታት መግቢ ባሕሪ
ኣብ ቀጸላታት ማያዊ ኣካል ዝርከቡ ዓሳታት፦ ከም ፐችካነ፡ ቱና፡ ኣቡሴፍ፡ ዴራክ፡ ሳልሞን፡ ወዚፍ፡ ኣንቾቪ፡ ባቓን ካልኦትን ይጠቓለሉ።
ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከቡ ዓሳታት፦ እዞም ዓሳታት እዚኣቶም፡ ኣብ ጥቓ ባይታ ባሕሪ ዝርከቡ ኮይኖም ከም ቸርንያ፡ ሸበጥ ዓሳ መሽረፈት ባሕሪ ዝኣመሰሉ እዮም። እዞም ዓሳታት ዘይከምቶም ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ ዝርከቡ ዓሳታት ኣብ ምሕንባስ ንጥፋት ስለዘይኮኑ ብዙሕ ኣይሃልኩን።
ዓሳታት ጥዑም ማይ፡- እዞም ዓይነት ዓሳታት ኣብ ቀላያት፡ ዲጋታት፡ ጋብላታት ዝነብሩ ኮይኖም ቲላፕያ፡ ካርፕ ድሙ ዓሳ ዝበሃሉ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ድሩዓት እንስሳታት፡- ባይቫልቭ፡ ሳብያ፡ ኦክቶፖስን ኣረነን፡ ስትሮምባኽ፡ ክላም፡ ስካሎፕ፡ ኦይስተር ዝኣመሰሉ ንመግቢ ዝውዕሉ ድሩዓት እንስሳታት ዘጠቓለለ እዩ። ብተወሳኺ፡ ጋምቤሪ፡ ሎብስተር፡ ዕንቅሪቢት ባሕሪ ክሪልን ዝኣመሰሉ ኣብ ባሕሪ ጥራይ ዝነበሩ ክራስታሽያን ዝበሃሉ ድሩዓት እንስሳታትውን ኣካል ናይ’ዚ ምድብ እዮም።
ጻህያይ ባሕሪ ከም መመስርሒ ዱኹዒ
መጥበውቲ ባሕሪ፡- ምሉእ ህይወቶም ኣብ ባሕሪ ዘሕልፍዎ ኣስታት 128 ዓሌታት መጥበውቲ ባሕሪ ተለልዮም ኣለዉ። ኣብ ከም ጃፓን ዝኣመሰላ ሃገራት ምግፋፍ ዓሳ ነባሪ ዘፍቅዳ ሃገራት ኣሽሓት ቶናት ዝግመት ስጋ ዓሳ ነባሪ ብሕጋዊ ኣገባብ ተገፊፉ ንመግቢ ይውዕል።
ለመምቲ ባሕሪ፡- ጎብየ ባሕሪ ኣብ ደረጃ ምጽናት’ኳ እንተሃለወ ኣብ ገማግም ባሕርታት ዝነብሩ ህዝቢ ከም ምንጪ መግቢ ይጥቀምሉ። ብተወሳኺ ኣብ ኣፍላጋትን ቀላያትን ሓርገጽ ናይ ምግፋፍ ልምዲ ስለዘሎ ከም መግቢ ባሕሪ ክጥቀስ ይኽእል።
ኢኪኖደርምስ፡- እዞም ዓሌታት ብርእሲ ዘይብሎም ዘይዓጻማት እንስሳታት ዝፍለጡ ኮይኖም፡ ኣብ ታሕተዋይ ባይታ ናይ ባሕሪ ተዘርጊሖም ይነብሩ። እሾኽ ባሕሪ፡ ሕድራ፡ ስታርፊሽ ዝበሃሉ ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ከም ምንጪ መግቢ ኮይኖም ዘገልግሉ ዓሌታት እዮም።
ቀጭቀጭ ባሕሪ (jelly fish)፡- ቀጭቀጭ ባሕሪ ፕላስቲክ መሰል እንስሳ ኮይኑ ኣብ ቀጸላታት ባሕሪ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ እንስሳ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ከም መግቢ ምህላኹ ውሕሉል ዝኾነ መስርሕ ክሓልፍ ኣለዎ። ኣስታት 85 ዝኾኑ ንመግቢ ዝውዕሉ ዓሌታት ቀጭቀጭ ባሕሪ ተለለዮም ኣለዉ። ቀይሕ ባህሪ ኤርትራ በዞም ዓሌታት እንስሳታት ሃብታም’ኳ እንተኾነ ከም መግቢ ምህላኾም ግን ገና ኣይተለምደን ኣሎ።
ጻህያይ ባሕሪ፡- ዝተፈላለዩ ዓሌታት ጻህያይ ባሕሪ ማለት ከም “ሓመዳዊ”፡ “ቀይሕን” “ቀጠልያን” ሰበባታት ከም መግብን ንመመስርሒ መድሃኒታትን ምንጪ ንጥረ-ነገር ኮይኖም የገልግሉ። ጻህያይ ባሕሪ ሃብታም ትሕዝቶ ጽሕግን ፕሮቲንን ኣለዎም። ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ሃብታም ትሕዝቶ ጻህያይ ባሕሪ’ኳ እንተሃለዎ ብዘይካ ብኣባላት ምርምር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝግበር ንኡስ ፈተነታት ከም መግቢ ምህላኽ ልሙድ ኣይኮነን።
መግቢ ባሕሪ ብመንጽር ሃብታም ትሕዝቶኡ ግቡእ ኣተሓሕዛ ምስ ዘይግበረሉ ኣዝዩ ተነቃፊ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት “ኣሚኖ ኣሲድ” ዝተባህሉ ንፕሮቲን ዘቚሙ ባእታታት ቀልጢፎም ናብ “ኣሞንያ” ዝተባህለ ገምቢ ዝጨኑ ቀመም ስለዝቕየሩ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ልዑል ወጻኢታት ብምፍሳስ ብቕልጡፍ ኣብ ኣስቃጥላታት ብምዕሻግ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ከም ዝቐርብ ይግበር። ጥሉል ዓሳ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ መግቢታት ስለዝኾነ ብቕጽበት ከይተበላሸወ ክንምገቦ ይግብኣና። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክንጥቀመሉ ምስ ዝድለ ብዝተፈላለየ ኣገባባት መስሪሕና ክንዕቅቦ ኣለና። ገለ ካብ’ቲ ኣገባባት ምዕቃብ ድማ፡ ምስጣይ፡ ምቅዛዝን ጨው ጌርካ ምንቃጽን እዮም።
መግቢ ባሕሪ ብደረጃ ዓለም ካብ’ቶም ብብዝሒ ዝሃልኩ መግብታት እዩ። ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዓለም ንመግቢ ባሕሪ ከም ቀዳማይ መግቦም ይጥቀምሉ። 14-16% ምንጪ ፕሮቲን ካብ መግቢ ባሕሪ ይርከብ።
ወኪል ደረጃታት መግቢ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝሕብሮ ኩሉ ሰብ እንተ ወሓደ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ብትሕዝቶ ዘይቲ ሃብታም ዝኾነ መግቢ ባሕሪ ክሕውስ ከምዘለዎ ይምዕዱ። “ዴራክን” “ሄሪንን” ዝበሃሉ ዓሌታት ካብ’ቶም ኦመጋ-3 ዝበሃል ዘይቲ ንመስርሕ ኣካላትና፡ ንሓንጎልናን ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎም ዓሳታት እዮም። ብመንጽሩ ጻዕዳ ጭዋዳ ዘለዎም ከም “ቸርንያ”፡ “ሻዕፋን”፡ “ሽዑር”፡ “ጸፊሕ ዓሳን” “ፍላውንደርን” ዝብሃሉ ዓሳታት ትሑት ትሕዝቶ ዘይቲ ዘለዎም ዓሳታት እዮም። እዞም ዓሳታት ምስቶም ቀዲሞም ዝተገልጹ ልዑል ትሕዝቶ ዘይቲ ዘለዎም ተሓዊሶም ምስ ዝብልዑ ንጥዕና ዓይኒን ልቢ፡ ኣዕጽምቲ ከምኡ’ውን ኣስናን ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም።
ድሩዓት ዓሳታት ብወገኖም ንጥዕና ቈርበትን ጭዋዳታትን ከምኡ’ውን ንምድንፋዕ ፍርያምነት ዝሕግዝ “ዚንክ” ዝበሃል ማዕድን ሃብታማት እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዕቑዳት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ካብ ባሕሪ ዝርከብ መግቢ ብትሕዝቶ ማዕድናትን ማኣዛታት ኣዝዩ ሃብታም ስለዝኾነ ንምዕባለ ሓንጎልን ናይ መፈረ ህዋሳትን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ መግቢ ዓሳ ዘዘውትሩን ዘየዘውትሩን ህዝብታት ዝተገብረ መጽናዕቲ እቶም መግቢ ዓሳ ዘዘውትሩ ብሕማም ልቢ ናይ ምጥቃዕ ዘለዎም ተኽእሎ ዝተሓተ እዩ። ሰሙናዊ መግቢ ዓሳ ምምጋብ ተኽእሎታት ሕማም ልቢ ብፍርቂ ክጎድል ይኽእል። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ዓሳ ትሑት ስብሒ ስለዘለዎ ኣብ ኣካላትና ክእከብ ዝኽእል ጠንቂ ሕማም ልቢ ዝኾነ “ኮለስትሮል” ዝተባህለ ስብሒ ስለዘሕቅቖ እዩ። ብተወሳኺ መግቢ ዓሳ ጸረ ምራተ ዝኾነ ኦሜጋ-3 ሃብታም ስለዝኾነ ንምሕፋስ ደም ኣብ መናድቕ ኣርተሪታት ብምውጋድ ካብ ዝስዕብ ሓደጋታት ሕማም ልቢ ከከላኸል ይኽእል።
ዓሳ ብዚንክ፡ ኣዮዲን ከምኡ’ውን ሰለንዮም ዝተባህሉ ንምዕባለ ኣካላት ወዲ ሰብ ሓገዝቲ ዝኾኑ ማዕድናት ሃብታም እዩ። ኣዮዲን ካብ ጉሩንጉሪት ክከላኸለልና ከሎ፡ ሰለንዮም ድማ ኣብ መናድቕ ወሃዮታት ክፍጠር ዝኽእል ናይ መንሽሮ ወሃዮታት ዝከላኸል ቀመማት የሰስን። ብተወሳኺ እዚ ባእታ ብጸርጊ ክስዕብ ዝኽእል ዕንወት ዲ.ኤን.ኤ ኣብ ምውጋድ ሓጋዚ እዩ። መግቢ ባሕሪ ብፍላይ ድማ መግቢ ዓሳ ንጥዕና ዓይንናን ቈርበትና ከምኡ’ውን ኣዕጽምትና ዝሕሉ ሃብታም ትሕዝቶ ብቪታሚን ኤ፡ ቪታሚን ዲን ኣለዎ።
ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ትሮፒካዊ ባሕሪ ከም ምዃኑ መጠን ብስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ኣዝዩ ሃብታም እዩ። እዚ ባሕሪ ዝተፈላለዩ ዓሳታት፡ ድሩዓት እንስሳታት፡ ኣትክልቲ ባሕሪ ልዑል ትዕድልቲ ዘለዎ ባሕሪ እዩ። እንተኾነ ዝበዝሕ ህዝብና እኹል ዓሳ ክምገብ ይርአ የለን። ስለ’ዚ ነዚ ባህርያዊ ሃብቲ ንምምዝማዝ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ባሕሪ ዝርከቡ ዓሳታት ጥራይ ከይተመርኮሰ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ኣትክልትን እንስሳታትን ናይ ምብላዕ ልምዲ ከጥሪ እንተኽኢሉ ልዑል ማኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክረክብ ይኽእል እዩ።