ኣፍራይነት፡ ብንቑሕ ተሳታፍነት! መግለጺ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ብምኽንያት ባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2025

ኣፍራይነት፡ ብንቑሕ ተሳታፍነት!

መግለጺ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ብምኽንያት ባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2025

ታሪኽ ተጋድሎና ከም ዝምስክሮ፡ ‘ሓፋሽ ይወደብ፡ ይንቃሕ፡ ይተዓጠቕ!’ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ኵሉ መዳያዊ ጕዕዞ ምንቅስቓስ እቲ ሰውራ ኣዐዋቲ ድርኺት ዝፈጠረ፡ ንናጽነት ህያው ዝገበረ መሕነኒ መንኰርኰር ነይሩ። እዚ ጭርሖ’ዚ፡ ግዜ ዘየህስሶ፡ ሰረት ቀጻልነትን ዘላቒ ምዕባለን ብምዃኑ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣብ ኵሉ ሜዳታት ልምዓታዊ መደባት ፍቱን መድሃኒት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ውዳበ ብዘይ ንቕሓት፡ መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ’ዩ። ብጹሕ ንቕሓት፡ ውዳበኻ ከተሓይል ይድርኽ። ኣወዲቡ የዕጥቕ፡ ኣዕጢቑ ኸኣ ናብ ሸቶ የብጽሕ።

ንቑሕ ሰራሕተኛ፡ ብስምዒት ዘይኰነ ብመረዳእታን ልቦናን ይጓዓዝ፣ ንቑሕ ሰራሕተኛ፡ ንሕሉፍ ይግምግም፡ ንህሉው እዋኑ ይግንዘብ፡ ንመጻኢኡ ብመቓን ራኢኡ ይስእሎን ይኸዶን። ንቑሕ ዓያዪ ዜጋ፡ ጐይታ ዅነታቱ ደኣ’ምበር፡ ግዙእ ኵነታቱ ክኸውን ንነብሱ ኣየፍቅደላን።

ኤርትራዊ ሰራሕተኛ፡ ጌና ዘመናውነት ካብ ዝለበሰሉ ዘመን ጀሚሩ፡ ነዚ ብቕዓት’ዚ ኣረጋጊጽዎ’ዩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዀይኑ፡ እናፍረየ ስለ ሃገሩ ሓሲቡን ጨው ፈርዩን። ሞያዊ ብቕዓትን ንቕሓትን ብምውናን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ገስጋስ ሃገሩ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ።

ቴማ ናይዚ ብደረጃ ሃገር ንመበል 34 ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2025፡ ‘ኣፍራይነት፡ ብንቑሕ ተሳታፍነት’ ተባሂሉ ክስመ ዝኸኣለ’ምበኣር፡ ንመዘኻኸርን ንምስክር እቶም ኣብ በበይኑ መድረኻት ጕዕዞ ሃገርነት እጃሞም ዝገበሩ፡ ስለ ሃገር ዝገበሩን ህይወቶም ዝወፈዩን፣ ጌና’ውን ዝውፈዩ ዘለዉን ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት እዩ።

ሎሚ፡ ኣበየ ዅርናዓት ናይዛ ሃገር ዝተዋፈረ ዓያዪ ዜጋ፡ ንልምዓታዊ መደባት ሃገሩ ዘለዎ ድሉውነትን ተሳታፍነትን ብንቕሓት ኣሰንዩ የሰጕሞ ኣሎ። ብትምህርቲ፡ ስልጠናን ተመኵሮን እናበሰለ ኸኣ ኣብ ሕርሻ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ህንጻን ካልእ መዳያት ልምዓትን ሃገር ንቑሕ ተሳትፎኡን ኣፍራይነቱን እናመስከረ፡ ንመጻኢ ወለዶ ረዚን ውርሻ እናገደፈ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ።

ስለዚ፡ እዚ ቴማ’ዚ መዘኻኸሪ’ዩ። ተሳታፍነት ኣብ ዕዮ ብንቕሓት እንተ ዘይተሰንዩ፡ ዝፈድዮ የብሉን። ንቕሓት፡ በቲ ዘሎካን ኣብ ዘሎኻዮን ክትውፈ ዘኽእል ዝለዓለ ዕጥቂ’ዩ። ንቕሓት፡ ባህሊ ስራሕ ይዅስኵስ፣ ትካላዊ ባህሊ የዕቢ፣ ሓላፍነታውን ሚዛናውን ጾር ክትስከም ከኣ የኽእል።

ሎሚ፡ ህሉው ዓለማዊ ዕዳጋታት ዕዮ፡ ብዘይካ ብክሊማዊ ለውጢ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ዘይምርግጋእ፡ ምምዝባል ሕብረተሰብን ስደትን፡ ብቕልጡፍ ምሕየሻን መሃዝነትን ቴክኖሎጂ፡ ዲጂታላይዜሽን ኣርተፊሻላዊ ብልሕን እውን እናተበድሀ ይኸይድ ኣሎ። ሰራሕተኛታት፡ እግሪ እግሪ ምዕባለ እዚ ዝተጠቕሰ ሓይልታት ለውጢ ኽስዕቡ ኸኣ ኣቕርቦትን ብቑዕ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ወሳኒ’ዩ። ዓለማውነትን ዲጂታላይዜሽንን፡ ቅልጣፈ ሓዊሱ፡ ቅርበት ዜጋታት ዓለም ኣረጋጊጹ’ዩ፣ እንተዀነ፡ ዝተሓላለኸ ብድሆታት ኣይተሳእኖን። ምትካእ ዕዮ ብማሽናት ኣብ ውሱን ሰክተራት፡ ጸቕጢ ኣብ ጽኑሕ ረቛሒታት ዕዮን ደሞዝን፣ ዘይምዕሩይነት ኣብ መንጎ ዝማዕበላን ዘይማዕበላን ሃገራት ጌና ካብቲ ኣቐንዛዊ ሸነኻቱ’ዩ። እዚ’ውን እቲ ኻልእ ብንቕሓት፡ ክምለኽን ክስገርን ዝግባእ ዓለማዊ ብድሆታት’ዩ።

ሃኮሰኤ’ምበኣር፡ በዚ ኽቡር ዕለት’ዚ፡ ንዅሎም ሰራሕተኛታት እንቋዕ ናብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኣብጽሓኩም ይብል። ተሳታፍነትና ኣብ ልምዓታዊ መደባት፡ ብንቕሓት ብምስናይ ኣፍራይነትና ከነዕቢ ኸኣ የዘኻኽር።

ዕድመ ንባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ