ብምኽንያት መበል 34 ዓመት ጽንብል ናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ “መስርዕና ድርዕና’’ ዝብል ቴማ ዝተዳለወ ባህላዊ ካርኒቫል፡ ሎሚ 19 ግንቦት ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ቀሪቡ።
እዚ ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ዝተወደበ መደብ፡ ብተሳትፎ 13 ንኡስ ዞባታት ኣስመራ፡ ካብ ጐደና ሰማእታት ተበጊሱ ብጐደና ሓርነት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ ኰይኑ፡ ባህላዊ ኣልባሳትን ትልሂትን ትሽዓተአን ብሄራት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ባህላዊ ካርኒቫልን ሰልፊን ዘጠቓለለ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ሜዳ ባሕቲ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ናይ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ህያው ሙዚቃዊ ምርኢት ማለት ‘ኮንሰርት’ ኣቕሪባ።
እቲ ንሰዓትን ፈረቓን ዝቐጸለ መደብ፡ ብሓድሽን ድግማን ደርፍታት ማዕሪጉ ኣምስዩ።
ኣብ ዞባ ማእከል ብ7 ግንቦት ብቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝጀመረ መደባት ጽንብል ናጽነት፡ ክሳብ 24 ግንቦት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክቕጽል’ዩ።