ቅብጸት ነዳያት ዘጉልሐ ዕቡድ ዘመተ

ወርሓት ግንቦተ-ሰነን መስከረምን፡ ብኤርትራውያን ወቕቲ “ኤሪ-ኢንፍሉወንዛ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ወረጃ ህዝባን፡ ድንቂ ታሪኻን ዕዉት ምረሻኣን ዝዘንብ ዘመተ ምስይጣን ጻዕቂ ዝውስኸሉ እዋን።

እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ። እተን ወርሓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ንበዓል ናጽነቱ፡ ዝኽሪ ሰማእታቱ፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሱ፡ ብልዑል ባህታን ፍስሃን፡ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ምዕሩግ ኣገባባትን ዝጽንብለለን ኮይነን፡ ድምቀት ናይዚ ጽንብላት’ዚ፡ ንፈተወቲ ህዝቢ ኤርትራ ጸባ እናስተየ፡ ንተጻባእቲ መርዘን ዘለዓዕል ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ዘለናዮ ቅንያት፡ ምስ ምምላስ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ጻዕዳ ገዛ፡ ኩሉ በብዝመስሎ፡ ኣተኩሮ ንምስሓብ፡ ኣጠማምታ ንምጽላው ሸበድበድ ዝብለሉ ዘሎ ህሞት ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ካብቲ ልሙድ ወቕቲ ኤሪ-ኢንፍሉወንዛ ወጻኢ፡ ታሪኻውያን ተጻባእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመገዲ ናይ ሓሶት ዜናን ዝንቡዕ ጽዋን ትንታነታትን፡ ዕላማኡ ካብ ማንም ስዉር ዘይኮነ ጠቐነኦም ኣዕሪጎሞ ይርከቡ።

ከም ቀሊል ኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብስም ሓደ ዕሱብ ግዳዮም ዝተፈነወ፡ ምስ መራኽብ ኣዘርባጃን ኣቋሪኑ፡ ንኤርትራ ከም ‘መጋበርያ ኢራን’ ክጥቅን ዝሃቀነ ዝንቡዕ ትንታነ (Haaretz – Analysis) ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ብስም ሓደ ግዳይን ዕሱብን ዝተዘርግሐ ሕሱር ሓሶትን ጠቐነን፡ ብቐንዱ ንመሰይጠኒ ተባሂሉ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ ከምእተፈብረኸን ከምእተጋውሐን፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኩሉ ክስወሮ ኣይክእልን።

ክፍለጥ ዘለዎ፡ እዚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣእዛን ሰብ ዘረብረበ፡ ፍሉጣት ዝዋናታቱ፡ ፍሹል ዘመተ ምስይጣን፡ ንባህልን እምነትን ናይዛ ኣርኣያ ሃይማኖታዊ ስኒት ዝኾነት ሃገር ይኹን፡ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተዓዋትነት ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂኣ ክብልሎን ከናሽዎን ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ዞባዊን ጂኦፖለቲካውን ዝምድናታት ዝቐርብ ዜና ሓሶትን ዝንቡዕ ትንታነን ድማ፡ ሓቂ ክቕይር ዝከኣሎ ኣይኮነን። ዘይንቕነቕ መርገጺን ሞራላዊ ድምጺን ኤርትራ፡ ኣብ ጽኑዕ ሕልና ፍትሒን ሰላምን ዝቘመ፣ ብዘይካ ዓለማዊን ዞባዊን ምርግጋእን ስኒት ህዝብታትን ካልእ ዕላማ ዘይብሉ፡ ድሙቕ ከም ጸሓይ ቀትሪ ስለዝኾነ።