መበል 37 ዓመት ናይ’ቲ መግዛእታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽዕብ ዝፈጸሞ ህልቂት፡ ብ12 ግንቦት ተዘኪሩ።
እቲ ብሰራሕተኛታት ተወዲቡ ዝተኻየደ መደብ፡ ወፈራ ማእቶት ኣብ’ቲ ዓስከሬናት’ቶም ልዕሊ 400 ንጹሃት ዜጋታት ዝዓረፈሉ መካነ-መቓብር፡ ከምኡ’ውን ባህላዊ መሰናድኦ ዘጠቓለለ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ገዛእቲ ሓይልታት “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ብምባል ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ብዝፈጸምዎ ግፍዕታት ዝወረደ ክሳራ፡ ኣካል ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ስለዝዀነ፡ ተረሲዑ ከይተርፍ ሓደስቲ ወለዶታት ከም ዝፈልጥዎ ምግባር ኣገዳሲ ከምዝዀነ ገሊጹ።
በቲ ኣብ 1988 ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ቈልዓ-ሰበይቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ንጹሃት ዜጋታት ብሰንሰለት ታንክታትን ጠያይትን ከምእተቐትሉ ዝዝከር’ዩ።