በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
እስመ ናሁ እዜንወክሙ ዓቢየ ዜና ፍሥሐ ዘይከውን ለክሙ ወለኵሉ ዓለም።
/እንሆ ንኵሉ ዓለም ዝኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ። (ሉቃ.፪፡፲/2፡10)
ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር እትርከቡ ኵልኹም ኤርትራውያን፡ እንቛዕ ናብ ክልተ ሽሕን ዓሠረተው ሾብዓተን በዓለ ልደት ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን እናበልና መንፈሳዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም።
“እንሆ ንኣኻትኩምን ንኵሉ ዓለምን ደስ ዘብል ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ።” ዝብል ቃል ናይ መልአከ እግዚአብሔር ኮይኑ ንሽዕኡ ነቶም ተጊሆም መጓሰኦም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ክኸውን ከሎ ፍጻሜኡ ግና ንምሉእ ሕዝበ ዓለም ዝተነግረ ብሥራት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእቲ ዓመት ጸልማት ተሳዒሩ ብርሃን ዓለም ክርስቶስ ዝተወልደሉ ዕለተ ብሥራት ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ሓጐስ እዩ።
በዚ ዕለት እዚ ድማ እቶም ኣቐዲሞም ኅብረት ዘይነበሮም ሰብን መላእክትን ኃቢሮም ንንጉሥ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ከም ዘመስገኑ፡ ንሕና’ውን ሎሚ ኣብዛ ዕለት እዚኣን ምሉእ ሕይወትናን ኣብ ልደተ ክርስቶስ እትሰብኽ ቤተ ክርስቲያንና ተረኺብና ብዓቢይ ፍሥሓ ኣብ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ተሳተፍቲ በረኸት ልደቱ ክንከውን ይግብኣና። (መዝሙር ዳዊት 121፡1)
ብተወሳኺ ከምቲ ሰብአ ጥበብ ካብ ርሑቅ ሃገር ምስ ህያባቶም መጺኦም በረኸት ልደቱ ዝተሳተፉ፡ ንሕና’ውን ካብዚ ዕለት እዚ መንፈሳዊ በረኸት ክንረክብ ምእንቲ ካብቲ ዘሎና ንስኡናት ከነካፍልን ዝዓረቑ ክንከድንን ከምኡ’ውን ንሕሙማን ክንበጽሕን ኅዙናን ክንናዝዝን ይግባኣና።
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን!
ከምዝፍለጥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ኣቦ፣ ሓላዊ ሃይማኖት መበል ሻድሻይ ቅዱስ ፓትርያርክ ብሓድነትን ሥምረትን መሪጻስ ብጸሎትን ኣዋጅን ንምቕብኦም ትዳለወሉ ዘላ ጊዜ ብምዃኑ እዚ በዓለ ልደትና ፍሉይ ይገብሮ። ስለዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ብሥራትን ሓጐስን ስለዝኾነ ከምቲ ኣብ ዕለተ ልደተ ክርስቶስ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለእጓለ እመ ሕያው ሥምረቱ፡ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ ውን ሰላም ይኹን ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም”።(ሉቃ፡፪፥፲፫-፳/2፥13-20) ዝብል ምስጋና ከም ዝተሰምዐ፡ ኣብዚ ንዘብጽሓና እግዚአብሔር ብዓቢይ ሓጐስ ከነመስግን ቤተ ክርስቲያንና ሓደራ ትብል።
ነዚ ንምግባር ምሕረት እግዚአብሔር ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ቅዱሳንን ኣይፈለየና። በዓልና በዓል ሓጐስ ገይሩ ንሃገርናን ንምሉእ ዓለምን ብሥራተ ሰላም ይሃበና።
ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)
ዓቃቤ መንበር
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ታኅሣሥ ፳፻፲ወ፯ (ጥሪ 2025)