ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምፍታሕ ፈተነታት ክካየድ እኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊት ኣይሰለጠን – ስለምንታይ? ኣብ’ዚ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ዑደት ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጉዳይ ሱዳን መሰረታዊ ፍታሕ ክርከቦ ግደ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝብን ሱዳን ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
ኣብዛ ሕቶ’ዚኣ ክልተ ሓረጋት ኣለዋ ጽቡቕ ገይረን ክፍለጣ ዘለወን። ቅድም ቀዳድም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝበሃል ነገር ካብ መዝገበ ቃላት ምውጽኡ ይሓይሽ። ነዚ ድሕር ኢለ ክገልጾ እየ። ብልምዲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝበሃል ዘይጭበጥ ነገር እውን ኣሎ። ከምዚ ሓላፍነት ዝወስድ ሓደ ናይ ዓለም ሓይሊ ዘሎ ዘምስል ኣዘራርባ እዩ።
ናብ ጉዳይ ሱዳን ንምጻእ። ግጭት ሱዳን ዳርጋ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ይኸይድ ኣሎ። ብርዱእ ምኽንያታት ኣብዚ ጎዶቦና ቀዳምነት ዝስራዕ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ጥራይ ምስ እንርኢ የድሊ ነይሩ’ዶ? የዋጽእ ድዩ? እንተድኣ ኢልና ዘድሊን ዘዋጽእን ኣይኮነን። ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ምእንቲ ክንፈልጦ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ናይቲ ሃገር ይኹን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኩነታትን ኣመዓባብላኡን ብግቡእ ክንርድኦ ክንክእል ኣለና። ጉዳይ ሱዳን ብቐረባ ዝጸልወና እዩ። ህዝብን ሃገርን ሱዳን ሃገርና ሓራ ኣብ ምግባር፡ ሃገርና ኣብ ምህናጽ ዝነበሮን ዘለዎን ዝህልዎን ተራ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ከም ካልእ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጉዳያት ኣይኮነን። ቅድሚ ተስዓታት ኮነ ድሕሪ ተስዓታት ዝነበረ ኩነታት እንታይ ነይሩ? ከመይ ንኸይድ ነይርና? ብዞባ ደረጃ ዝጥመት ይኹን ብክልተኣዊ ደረጃ እንታይ ዝምድናታት ነይሩና? ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝነበረና ኣረኣእያን ምውሳእን፡ ከም ኣብነት ክግለጽ ይከኣል’ዩ።
ናይ ሱዳን ሽግራት ንምፍታሕ፡ ኤንዲኤ (NDA) ኣብ ኣስመራ እዩ ተመስሪቱ። ካብ ኣስመራ እዩ ተንቀሳቒሱ፡ ግና ኣይሰለጠን። ደቂ ደቡብ ሱዳን ምፍላይ ደቡብ ሱዳን ኣይከኣልን’ዩ፡ ኣይከውንን’ዩ፡ ኣየድልን’ዩ እዮም ዝብሉ ነይሮም። ጆን ጋራንግ ዝነበሮ SPLM ይኹን ካልኦት ተስዓን ትሽዓተን ሚእታዊት ሓድነት’ዩ ዘድልየና፡ ካልእ ኣየዋጻጽኣናን’ዩ ዝብል መርገጺ እዩ ነይሩዎም። ምናልባት እዚ እንተዘይሰለጠ ሓደ ሚእታዊት ምንጻል ከም ኣማራጺ ይርአ ነይሩ ይኸውን። ብከምኡ ዝኣመሰለ እምነት’ዩ ኩሉ ሰብ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ከይዱ ከይዱ ግን፡ ማእለያ ዘይብሉ ምትሕልላኻት፡ ዝተፈላለየ ናይ ረብሓ ኣጀንዳ ዝተሓንገጠ ናይ ደገ ምትእትታዋት መጺኡ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 2011 ናብ ምንጻል ወይ ናጽነት ናይ ደቡብ ሱዳን ኣምሪሑ። እዚ ክኸውን ኣይነበሮን። ናይ ቃል ዓለም ዘረባ ኣይኮነን። እቲ ብዙሕ ዝተሰርሓሉን መስዋእቲ ዝተኸፍለሉን ዕላማ በቲ ናይ ሽዑ ኣዘራርባ ሓዳስ ሱዳን (ሱዳን ጀዲድ) ምምስራት እዩ ነይሩ። ሓዳስ ሱዳን ናይ ዜጋታት ወይ ዜግነት (citizen) ሃገር ማለት እዩ። ዓሌት፡ ቀቢላ፡ እንዳ፡ ሕብሪ ዘይፈሊ ሃገር። እዚ ኩሉ ሰብ ዝዛረበሉ ዝነበረ’ዩ። ሓድሽ ምህዞ ኮይኑ ዘይኮነ ባህርያዊ ናይ ሰባት ሕርያ እዩ። እዚ ሕርያ’ዚ ኣብ ሱዳን ጽቡቕ ክሰርሕ ምኸኣለ ነይሩ። ንኡ ዝኸውን ስርዓት ተፈጢሩ ነይሩ እንተዝኸውን። ኣብ’ቲ ስርዓት ዝነበሩ ገለ ወገናት ግና፡ ናይ ሃይማኖት ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ስለዝነበሮም ነዚ ከም ፍታሕ ይቕበልዎ ኣይነበሩን። ኣብ 2011 ምንጻል ደቡብ ሱዳን ክመጽእ ከሎ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተራ ነይሩዎም’ዩ። እዚ ንህዝቢ ሱዳን ኮነ ነዚ ዞባ መኻልፍ እዩ ኮይኑ።
ካብ 1989 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኩነታት ልዕሊ 30 ዓመት ከይዱ ህዝቢ ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እዩ በጺሑ። በብግዜኡ ዝነበረ ምዕባለታት ናይ’ታ ሃገር ሓደ ብሓደ ክንዝርዝሮ ንኽእል ኢና። ብኣካል ስለዝነበርናዮ፡ ናይ ማዕዶ ትንታነ ኣይኮነን። ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ ዘጋጠም ዝነበረ ሽግራት ብዙሕ እዩ። ናይ ቢላዲን ምምጻእ ኣብ ሱዳን ክሳብ 1996 ዝነበረ ኩነታት፡ ዝተፈላለየ ኪዳናት እናገበርካ ኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዝነበረ ኩነታት ቅሳነት ዝህብ ኣይነበረን። ኮን ዶኾን ይዕረ ይኸውን፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል? እናበልና በዚን በቲን ብዘይ ምቁራጽ ንሰርሓሉ ዝነበርና ጉዳይ እዩ። ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ናዕቢ (ኢንቲፋዳ) መጺኡ። ነዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝዀነ ዝወደቦ ሓይሊ ወይ ዝመርሖ ሓይሊ ነይሩ ክትብል ኣይትኽእልን። ንፈልጥ ነይርና ኢልና ክንጀሃር ኣይንኽእልን። እቲ ህዝቢ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ብኸምኡ ክቕጽል ስለዘይክእል ናብ ፍኑው ናዕቢ ከይዱ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ኣልዩዎ። እቲ ሕቶ ግን፡ እቲ ህዝቢ ናበይ ክኸይድ ስለዝደለየ እዩ? ዝብል እዩ። እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ኣይፈልጥን’ዩ ነይሩ ወይ ፍኑው መትሓዚ ዘይብሉ ኣካያይዳ እዩ ከይዱ ኢልካ ከተቃልሎ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ዝነበረ ኣካይዳ ኣየዋጻጽኣናን’ዩ፡ ይኣኽለና እዩ ነይሩ ሕቶኡ።
ጉዳይ ሱዳን ብቐንዱ ናይ ሱዳናውያን ልኡላዊ ጉዳይ እዩ። ኣብ ሓደ ጎዶቦ ዘሎ ኩነታት ግን ንሓድሕዱ ስለዝጸላሎ፡ ኣብቲ ዝመጸ ምዕባለታት እንታይ ክግበር ይከኣል፡ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ብቐረባ ክንመኻኸር ክንክእል ኣለና። ዝሓለፍናዮ ተመኵሮ እውን ዓቢ መለበሚ ኮይኑና እዩ። ስለዚ ኣብ ሱዳን ቅሳነት ምእንቲ ክርከብ ንሕና’ውን ክንዋሳእ ክንክእል ኣለና። ዝመስለና ባዕላዊ ስክፍታታት ኣበጊስና ዘይኮነ ቅሳነት ናይ ህዝቢ ሱዳን ንኣና እውን ረብሓ ስለዝኾነ። በዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ክፍላ 2022 ወረቐት ኣቕሪብና ነይርና። ፈላጣት ወይ ክኢላታት ኮይንና ስለዝሰራሕናሉ ኣይኮነን። ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለና ግዴታና እዩ።
ከም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣብ ሱዳን እውን እቲ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ ህንጸት ሃገር (nation building) እዩ። ካብ 1956 ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሱዳን ዝነበረ ፖለቲካዊ ጉዕዞ እንተርኢናዮ፡ ምሉኣት’ዮም ነይሮም ኢልካ ክትዛረብ እኳ ዘይክኣል እንተኾነ ብተዛማዲ ምስ ካልእ ናይ ኣፍሪቃ ከባቢታት ኩነታት ሱዳን ፍልይ ዝበለን ዝሓሸን እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ናይ ደቡብ ጉዳይ መኻልፍ ኮይኑ መጺኡ። ንሱ ከይተፈትሐ ካልእ ጉዳያት ተደራሪቡ። ኣብ ብሉናይል፡ ኩርዱፋን፡ ዳርፉር፡ ምብራቕን ካልእ ከባቢታትን ዘይተፈትሐ ጉዳያት ነይሩ። እዞም ትማሊ ዝመጽኡ ሙእተመር ወጠኒ ዝበሃሉ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ፡ ነቲ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ኮሊፎሞን ዘራሪጎሞን እዮም። ቁጠባ ሱዳን ኣዕኒዮሞ፡ ንሱዳን ነጺሎማ፡ ረብሓታት ህዝቢ መመሊሶም ኣዳኺሞምዎ። ኣብ መወዳእታ ንሱዳን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ኣውዲቖምዎ።
ስለዚ እቲ ህዝቢ ኣይንደልን፡ ይኣኽለና ኢሉ። ናበይ ንምኻድ? ካልእ ሓዲሽ ምህዞ የለን። ተመሊስካ ናብ’ታ ህንጸት ሃገር ትበሃል ኣርእስቲ ኢኻ ትምለስ። ሱዳን ናይ ዜጋታት ሃገር ክትከውን ክትእል ኣለዋ። ብኸመይ መገዲ? እዩ እቲ ሕቶ። ነዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ እዚ ኩሉ ጻዕርታትን ፈተነታትን ተኻይዱ ስለምንታይ ኣይተፈትሐን? ናይ ህዝቢ ሱዳን ጸገም ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ደገ ምትእትታዋት እዩ። በዚን በቲን ሑሩያ ወተቐይር ዝበሃል መጺኡ። ሑርያ ወተቐይር ግን እንታይ እዩ? ናይ ቀደም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነይረን እየን? ግን ተራአን እንታይ ነይሩ? ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዛዕባአን ክንዛረብ ንኽእል ዲና? ሓደስቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኢልካ’ኸ ክትዛረብ ይከኣል ድዩ? ንግዜኡ ኩሉ ተወንዚፉ ይጽናሕ፡ ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ብዛዕባኡ ዘከራኽር ምኽንያት የለን። ህዝቢ ሕርያኡ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ኣልዩዎ ኣሎ። ናበይ’ዩ ክኸይድ ዝደሊ ዘሎ እንተድኣ ኢልና ናብ ባብ ኣማን ወይ በሪ ኣማን እዩ። ብሰላም ቀሲኑ ክነብረሉ ዝኽእል ኩነታት እዩ ዝደሊ ዘሎ። ልኡላዊ ባይቶ ዝበሃል ድማ ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ ተረኪቡዎ ኣሎ። መን’ዮም እቶም ሰባት ዘይኮነ፡ መን’ዩ እዚ ልኡላዊ ባይቶ? እቲ ህዝቢ ናዕቢ ገይሩ ናብ ጽርግያ ምስ ወረደ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ መታን ከይከድ፡ ሰራዊት ሱዳን እዩ ነቲ ኩነታት ተረኪቡዎ። በዚ ድማ (ባይዲፎልት) እዚ ልኡላዊ ባይቶ ሕድሪ ተሰኪሙ ኣሎ። ናብ’ቲ ህዝቢ ሱዳን ዝደልዮ ቦታ መታን ክበጽሕ ነታ ሕድሪ ሒዙዋ ዘሎ ንሱ እዩ። ካልእ ሰብ ክሕዛ ይኽእል’ዩ፡ ወይ ካልኦት ክሕዙዋ ይኽእሉ’ዮም፡ ወይ ካልኦት ክፈትሑዋ ይኽእሉ’ዮም ዝበሃል ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ሓዲሽ ምህዞ ዘምጽእ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ክህሉ ኣይክእልን። እዚ ልኡላዊ ባይቶ ግን ኩሉ ነገር ይውድኦን ባዕሉ ይገብሮን ማለት ኣይኮነን። ንኹሉ ናይ ሱዳን ታሪኽ ዝተኸታተለን ዝፈልጥን እታ ክትከውን ዘለዋ እዚኣ እያ። ስለዚ ንሕና ብዘየወላውል መገዲ ኣረኣእያና ገሊጽና። ናብ’ታ ህዝቢ ዝደልያ ዘሎ ቦታ ከሰጋግሮ ዘለዎ እቲ ሕድሪ ዝተሰከመ ልኡላዊ ባይቶ እዩ። እዚኣ’ያ መሰረት። ሑሩያ ወተቐይር እንታይ ኢሎም፡ እቲኦም እንታይ ኢሎም፡ ናይ ቀደም ሰልፍታት እንታይ ኢለን፡ ኣብ ምንታይ ተሰማሚዐን ዝበሃል ትርጉም የብሉን። እቲ ሕድሪ ዝተሰከመ ኣካል ሕድሩ ምስ ፈጸመ ድሕሪኡ ርእይቶ ወይ ኣጀንዳ እንተለካ ከተምጽእ ትኽእል።
ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ሱዳን ህልኽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ህልኽ ናይ ውልቀ ሰባት ዘድሊ ኣይኮነን። ህልኽ እንተሎ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ርሒብ ማዕጾ ረኺቡ ኣሎ ማለት’ዩ። ብህልኽ ዝፍታሕ ነገር የለን። በዚ መገዲ’ዚ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ምሓዙ፡ እቲ ኩነታት ከይዱ ከይዱ ካብ ምቁጽጻር ወጺኡ። ምትእትታው በዚሑ። እቲ ቀንዲ ናይ ሱዳን ጉዳይ ካብ ኢድ ሱዳናውያን ባራ ወጺኡ። ኣብ ዝርዝር ክንኣቱ ኣይንደልን። መነ መን’ዮም እቶም ዳሕራይ ዝተፈጥሩ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት? ኣኼባታት ዘካይዱ ዋዕላታት ዝውድቡ ዝነበሩ ብኸመይ መገዲ እንተተባሂሉ፡ ብምሉኡ ናይ ደገ ኣጀንዳ እዩ። ምኽንያቱ ኣገዳስነት ሱዳን፡ ተራ ናይ ሱዳን ኣብ’ዚ ዞባ ቀሊል ኣይኮነን። ንሱዳን ከም መድረኽ ሒዝካ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ካብ ሊብያ ጀሚርካ፡ ናብ ጫድ፡ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክ፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ምጻእ፡ ብሓፈሻ ኣብዚ ከባቢና ክትጻወተሉ እትኽእል ባይታ ምፍጣር እዩ እቲ ኣጀንዳ። እዚ ተበግሶታት እናተባህለ ዝውረየሉ ባዛራት እዩ። ንዋኒናት ናይ ግዳም ኣጀንዳ ዘሳሲ ባዛራት። ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንናይ ደገ ምትእትታው ርሒብ መሳዅቲ ዝኸፍት ስለዝኾነ፡ ንሕና እዚ ኣየድልን እዩ፡ ጉዳይ ሱዳን ገጥ ኣቢልካ ምሓዝ ዘድልዮ እዩ። ልኡላዊ ባይቶ ድማ ነዛ ሓላፍነት እዚኣ ይሓዛ ኢልና ኣብ ግንቦት 2022 ሓሳባትና ብወረቐት ኣቕሪብና። ብቐንዱ እቲ ጉዳይ ናቶም እዩ። ባዕላቶም ጉዳዮም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡ፡ መኻሪ’ውን ኣየድልዮምን’ዩ። ግና ሓሳባት ምክፋል ነውሪ የብሉን ተባሂሉ ወረቐትና ተዋሂባቶም። እቲ ወረቐት ብልኡላዊ ባይቶ ቅቡል ኮይኑ። ዘከራኽር’ውን የብሉን። ወረቕትና ጽቡቕ’ዩ፡ ዝበለጸ’ዩ ማለትና ኣይኮነን። ካብኡ ዝበለጸ ዘለዎ እንተሎ ይንገረና፡ የርእየና። ንሕና ግን ብዓቕምና ምቕሉል ኣበርክቶ ክንገብር እዚኣ እያ ሓሳባትና ኢልና፡ ብዘይ ቃልዓለም፡ ዓውዓው ዘይብሉ፡ ዜና ዘይብሉ ኣካፊልና። ዝተዋህበና መልሲ ከኣ፡ ተቐቢልናዮ ኣለና፡ ጽቡቕ ሓሳባት’ዩ፡ መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እዩ።
ኣብዚ ሓሳብ’ዚ ዝውሰኽ ክህልዎ ይኽእል፡ ዝመሓየሽ ወይ ዝእረም እንተለዎ ድማ ክርአ ይከኣል። ንዕኡ ዝኸውን መተካእታ ግን የለን። እታ ወረቐት ሎሚ ማለት ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝኾነ ሰብ ክርእያ ይኽእል’ዩ። ሕጂ ኣብ ዘየድልየና ሸንኮለል፡ ናይ ፖለቲካ ሰልፊታት በዚ መጺአን ከምዚ ኢለን፡ መራሕቲ ከምዚ ኢሎም፡ ዕጡቓት ሓይልታት ከምዚን ከምቲን ኢሎም፡ ናይ ምብራቕ፡ ብሉናይል፡ ኩርዱፋን፡ ዳርፉር ወገናት ከምዚ ኢሎም ኣድላይነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ህዝቢ ሱዳን ዝደልዮ ዘሎ ክረጋገጽ ልኡላዊ ባይቶ ነዛ ሕድሪ እዚኣ ይሰከማ። ልኡላዊ ባይቶ ሕድሪ ይሰከም ማለት፡ ስልጣን ይሓዝ ኣይሓዝ፡ ይቈጻጸር ኣይቈጻጸር ኣይኮነን። ብቐሊል ኣዘራርባ፡ ሩባ ንሰግር ኣለና ነታ ሩባ መስገሪ ትኾነና ድልድል ንሰራሕ፡ እታ ድልድል ተሰሪሓ እዚ ኩነታት ምስ ተሰግረ ድማ እቲ ሕርያ ናይ ህዝቢ ሱዳን ኮይኑ እቲ ጉዕዞ ይቕጽል። እንተዘየለ ኣብ ዓዲ እከለ ኣኼባ ተገይሩ፡ ናይ በዓል እከለ ተበግሶ ኣሎ፡ ሃገር እከለ ከምዚ ኢሉ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዞባዊ ውድብ ከምዚ ኢሎም ናብ ዝብል ህወተታ ዘእቱ የብልናን። ስለምንታይ ናብ ከምኡ ንኣቱ? ምብዛሕ ተበግሶታት መመሊሱ ነቲ ፍታሕ ዘናውሕ፡ ዝሓላልኽ እዩ። ግዜ ይጠፍእ ኣሎ። ግዜ ክጠፍእ የብሉን፡ ንፋስ ዘእቱ ነቓዓት ምኽፋት ኣየድልን’ዩ። ልኡላዊ ባይታ ነታ ሕድሪ ተረኪቡ ክሳብ ዘረክባ ባዕሉ ይሕዛ። ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ ኣለኒ፡ ፍልስፍና ኣለኒ፡ ስነ-ሓሳብ ኣለኒ፡ ሕርያታት ኣለኒ ዝብል ወረቓቕቱ ኣዳልዩ ይጸንሕ። ኣብ ቁጠባ፡ ባህሊ፡ ማሕበራዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ድሕነታዊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ፕሮግራም ኣለኒ ዝብል ሽዑ ፕሮግራማቱ ከቕርብ ይኽእል። ሕጂ ግን ነደቓቕሶ ሕሳብ ኣለና ኢልካ ነንሓድሕድካ ምትህልላኽ ንምትእትታው ናይ ደገ ኣጀንዳታት ዕድል ከፊቱ ነቲ ፍታሕ ዝሓላልኽ ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ዘየድሊ ማእዝን ዝወስድ ስለዝኾነ ምጥንቃቕ የድሊ።
ንሕና ቀጻሊ ነዚኣ ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና። ቡርሃን ትማሊ መጺኡ፡ ካልእ ኣርእስቲ የብልናን፡ ኣብኣ ኢና ንዛረብ። ንቡርሃን ፍሉይ ደገፍ ንህቦ ወይ ናቱ ጸግዒ ሒዝና ንሕግዞ ኣይኮናን። ሕሜቲ’ውን ኣብ’ዚ ይመላለስ ነይሩ’ዩ። ክሳብ’ታ መወዳእታ ሰዓት ኲናት ዝተወልዓላ ኣብ’ዚ ይመጽእ ነይሩ። ንሕና ከኣ እዚ ዝተጠቕሰ ሓሳብና ነካፍሎም፡ ሓሳባቶም ድማ ንሰምዕ ነይርና። እቲ ዘገርም ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝተሓለፈ ተመኵሮን ዝነበረ ምርድዳኣትን ስለምንታይ’ዮም ኲናት ወሊዖም፡ ዝዀነ ብደገ ዘሎ ዝመስሎ ክትንትን ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ እዚ ኲናት’ዚ ከምእተወልዐ ግን፡ ንሳቶም እውን ክምልስዎ ኣይክእሉን’ዮም። ንክልቲኦም ዘዋግእ ምኽንያት ኣይነበረን። ብዝኾነ መለኪዒታት። ይፈልጥ’የ ዝብል እውን ብልክዕ ከምዚ እዩ ክብል ኣይክእልን። እዚ ድሓን ይጽናሓልና፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ግን ናይ ደገ ኲናት’ዩ። ከመይ ኢሉ’ዩ ዝውደብ ዘሎ ዝርዝራቱ መወዳእታ የብሉን። ብጂኦግራፍ፡ ብወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፡ ብቀረብ ሎጂስቲክስ ይኹን ናይ ኣጽዋር ደገፍ፡ ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ዜናዊ ኩርናዓት ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ነዚ ኲናት’ዚ ዝድርኽ ዘሎ ናይ ደገ ምትእትታው ጥራይ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ኢሉ፡ ጥምየት ኮይኑ፡ ክንዲ’ዚ ጠምዮም፡ ክንዲ’ዚ ተደርብዮም እናበልካ ንዋኒንካ መሳለጥያ ዝኾነካ ባይታ ንምድላይ ዝግበር ምትእትታው ነቲ ጕዳይ መመሊሱ’ዩ ዝሓላልኾ ዘሎ።
ካብቲ ሓሳባትና ዝቐረበሉ 2021 ጀሚሩ ብሓቂ ተሰሪሕሉ እንተዝነብር እዚ ጉዳይ’ዚ ተፈቲሑ ናብ በሪ ኣማን ንምስጋር እንተ በዝሐ ሰለስተ ዓመት፡ ብውሕዱ ከኣ ካብ ክልተ ዓመት ኣይመሓለፈን። ኣብ’ዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለናዮ ኩነታት ድማ ኣይምኣተናን። መሀውተቲ ንፋስ እናምጻእካ መሀውተቲ ኣኼባታት እናገበርካ ስለምንታይ’ዩ ህዝቢ ክንዲ’ዚ ዝሳቐ? ስለምንታይ እዚ ኩሉ ክሳራ? ስለምንታይ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ይስደድ? ስለምንታይ ኣብ ደገ ቴንዳታት መዓስከር ስደተኛታት ይኸፈት ኣሎ? ንመን ንምሕጋዝ’ዩ? ንብዓት ሓርገጽ እየ ዝብሎ። ሰብ ካብ ቤቱ ካብ ጎዶቦኡ ከምዝስደድ እናገበርካ፡ ፋሕፋሕ ከምዝብልን ንሓድሕዱ ከምዝቃተልን እናገበርካ ኣብ መወዳእታ ረድኤት ትህብ? ሕልና ናይ ሰብ ነዚ ይቕበሎ? ሎሚ ዝፍታሕ ሽግር ንዓመታ ተሰጋግሮ ስለምንታይ? መን ኢኻ ንስኻ? ኣነ ወኪል’የ፡ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ይውክል’የ፡ በየናይ ሞጎት? ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን።
እዚ ሽግር’ዚ ክፍታሕ ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ደገ ምትእትታው ደው ክብል ክኽእል ኣለዎ። ንቡርሃን ምድጋፍን ዘይምድጋፍን፡ ኣንጻር ሕሜቲ ምስራሕን ዘይምስራሕን ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ጉዳይ። ቅድሚ ዝኣገረ ዝስራዕ ህዝቢ ሱዳን’ዩ። ኣብ ፈቖዶ ጎዶቦ መዓስከራት እናኸፈትካ ቴንዳታት እናዘርጋሕካ፡ ካሜራታት ኣምጺእካ ትስእል? ህዝቢ ተጨኒቑ፡ ህዝቢ ሞይቱ፡ ህዝቢ ዝበልዖ ስኢኑ ትብል? ሱዳን ቆፎ መግቢ ናይ’ዚ ዞባ እያ ነይራ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸጋታት መወዳእታ የብሉን። ህዝቢ ሱዳን ካብ ቤቱ ክስደድ እንተዘይተደፋፊኡ፡ ኣብ ቤቱ ኮፍ ኢሉ ሓጉዙኒ ከይበለ ክነብር ቀሲኑ ሽግራቱ ክፈትሕ ምኽኣለ ነይሩ። እዚ ነንሓድሕዱ እናወቓቓዕካን እናናወጽካን ዝግበር ፈተነታት፡ ኩሉ ንናይ ደገ ረብሓታት’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለ፡ ናይ ሕልና ግዴታና ከነልዕል ስለዝነበረና፡ ኬር ኣይኮነን፡ ምጽወታ ኣይኮነን፡ ማዕሩፍ ኣይኮነን፡ ግዴታና’ዩ፡ ኣብ ሰዓቱ ከኣ ኣቕሪብና። ግን ኢድ ምትእትታው በዚሑ። ስለዚ ናይ ደገ ኣጀንዳታት፡ ናይ ደገ ምትእትታዋት ክድረት ክኽእል ኣለዎ። ብሊብያ ትመጽእ፡ ብጫድ ትመጽእ፡ እንተ ሰሊጡካ ብደቡብ ሱዳን ትመጽእ፡ ብኢትዮጵያ ትመጽእ፡ ነዚ ህዝብን ሃገርን’ዚ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ተእትዎ? እዞም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳታት ዘለዎም ስለዘይግድሶም፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዞባ ብምልኡ ነዚ ኩነታት ንምዕራፍ ክሰርሓሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ርክብ እውን ካልእ ሓሳብ ኣይነበረናን። ናይ ጎዶቦ ኣበርክቶ ድማ ክህሉ ኣለዎ። ግብጺ ዓቕማ ክትገብር ኣለዋ፡ ሱዕድያ ዝዓቕማ፡ ንሕና ዓቕምና፡ ካልኦት እውን በብዓቕመን፡ ኣበርክቶ ክገብራ ኣለወን። ኣበርክቶና ክደማመር ከሎ ድማ ኣድማዒ ይኸውን። ናይ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ካልእ ጉዳያት እውን እናተመኻኸርና ፍታሕ ክንረኽበሉ ክንክእል ኣለና። ኣብ ሰለስተ ኣኼባ ዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ይኹን፡ ትማሊ ቡርሃን ኣብ ዝመጻሉ ዝተዘራብናሉ እዚ እዩ። ሓዲሽ ምህዞ፡ ሓዲሽ ኣጀንዳ ዝበሃል የለን።
ኣብ መወዳእታ ጎዶቦና ብምሉኡ ርግኣት ክረክብ ኣለዎ። ጎዶቦ ንብሎ ዘለና ኣርባዕተ ኣካላት (ኮምፖነንትስ) ዘለውዎ እዩ። ተፋሰስ ኒል (ናይል በይዚን) ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ። እዚ ጎዶቦ’ዚ ብምሉኡ ሰላም ክረክብ ኣለዎ። በይነይ ኣነ ናይ ሰላም ደሴት ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ተሓባቢርካ ኢኻ ሰላም ትፈጥር። ሱዳን ከኣ ኣገዳሲ ኣካል ናይ’ዚ ጎዶቦ’ዩ። ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ደገ ዋዕላ ኣብ ዝተራኸብናሉ ዝገበርናዮ ኣኼባ ካልእ ዕላማ ኣይነበሮን። ናይ ሓባር መረዳእታ ክህሉ፡ ንዕኡ ዝኸውን ኣበርክቶ ክትገብር ምእንቲ እዩ። ስለምንታይ’የ ዘምጽኦ ዘለኹ፡ እዚ ናይ ሱዳን ሽግር ብዕምቈት ክፍለጥ ስለዘለዎ እየ። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብኡ ዘእቱ ምኽንያት የብሉን። እንታይ ክገብር ይመጽእ? ሕቡራት ሃገራት ስለምንታይ መጺኡ ኣብኡ ይኣቱ? ዓማምራ ትማሊ መጺኡ ብዛዕባ ናይ ሱዳን ጉዳይ ክንዛረብ ኢና ኢሉ፡ መርሓባ ኢልና ንቕበሎ፡ ዘለና ሓሳባት ከኣ ነካፍሎ። ሓሳብና ከነካፍል ምእንቲ፡ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ኮፍ ኢልና ተዛሪብና። ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ኣበርክቶ ክገብር ክኽእል ኣለዎ። መመሊስካ መሀውተቲ ንፋስ፡ ዘራጊቶ እናምጻእካ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከምዝኸይድ ክግበር የብሉን። ካብ ቢዝነስ ናይ ረድኤት፡ ቢዝነስ ምብትታን ህዝብታት፡ እንታይ’ዩ እቲ ረብሓ ንህዝቢ ሱዳን ይኹን ነቲ ዞባ? ሕጂ እቲ ጉዳይ እናተነጸረ እናተነጸረ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኩሎም ኣብኡ ዘለዉ ተዋሳእቲ፡ ብቐንዱ ከኣ ልኡላዊ ባይቶ ሓላፍነቱ ከልዕል ክኽእል ኣለዎ። እዛ ትማሊ ቡርሃን ዝመጽኣላ ሓላፍነቱ ከልዕል ንምዝኽኻር እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዘቕረብናሉ ሓድሽ ሓሳብ ኣይነበረን። ክህሉ’ውን ኣይክእልን።
ከምዚ ክገብሩ ደልዮም፡ ንቡርሃን ክሕግዙ ደልዮም ዝብል ዘረባታት ትርጉም የብሉን። ንቡርሃን ሓጊዝና ኣንጻር መን? ስለምንታይ? ኤርትራ ኣጀንዳ ኣለዋ፡ ኤርትራ ከምዚ ኣለዋ፡ ናይ ምንታይ ኣጀንዳ ኣለና ንሕና? እንታ’ዩ ኣጀንዳና? ንሓደ ደጊፍካ ነቲ ሓደ ክትወቅዕ ስለምንታይ? ንሕና ካብ ናይ ህዝቢ ሱዳን ረብሓ ካብ ናይ ሱዳን ርግኣት ወጻኢ ንርእዮ ነገር ኣሎ? ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ኣርእስቲ፡ ቀዳምነት ዝስራዕ ህዝቢ ሱዳን’ዩ። ካብኡ ወጻኢ ካልእ ምህዞታት ከተምጽእ ምፍታን፡ ነቲ ጉዳይ ብፍላጥ ምህውታት እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝሰርሕ ሓሳብ ከይመጽእ ምእንቲ፡ ንኡ እናዘረግካ ዝኾነን ዘይኮነን ኣርእስትታት እናምጻእካ፡ መናብር ዝበሃል መድረኻት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እናፈጠርካ፡ ነቲ ጉዳይ መትሓዚ ከምዘይብሉ ንምግባር ሃቐነታት ጸኒሑ እዩ። ህዝቢ ሱዳን ቤቱ መሬቱ ገዲፉ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እናነበረ ንዕኡ ተሳሲ? ናይ ፖለቲካ ፍትሓት ነምጽእ ኣለና፡ ኣብ’ዚ ዝርርብ ይግበር ኣሎ፡ ኣብ’ቲ ከምዚ ይግበር ኣሎ እናበልካ፡ ነቲ ጉዳይ ተናውሖ? ካልእ ዘይኮነ ስቅያት ናይ ህዝቢ ኢኻ ተናውሕ ዘለኻ። ንሕና ነዚ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንቅበሎ ኣይንኽእልን። ስለዚ ንጥፈታትና ብዝሓየለ ክንድርዖ ኣለና። እዚ ትማሊ ምስ ቡርሃን ዝገበርናዮ ርክብ ዲዩ፡ ኣብ ቻይና ዝተገብረ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ርክብ፡ ምስ ግብጺ ዝተገብረ ርክባት፡ ምስ ሶማልን ካልኦትን ዝግበር ርክባት ካልእ ፍሉይ ኣጀንዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ሓንቲን ንጽርትን ዕላማ’ያ ዘላትና። ሓዲሽ ምህዞ የብልናን ደጊመ ደጋጊመ ዝብላ’ያ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘቕረብናዮ ሓሳብ፡ ንሕና ካብ ካልኦት በላሕቲ ኮይንና፡ ዝያዳ ፈላጣት ኮይንና ከምዚን ከምቲን ኣቕሪብና ኢልና ንዛረበሉ ኣይኮነን። ብታሪኽ ብግብሪ ኣብ ሂወትናን ሂወት ሃገርናን ዝተማሃርናዮ ነገር ስለዝዀነ፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ከኣ ትም ክንብል ስለዘይንኽእል፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ምውሳድ፡ እዋናውን ቅኑዕን’ዩ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘየቋርጽ ውሽጣዊ ግጭታት ቅሳነት ኣይረኸበን። ኣብ ርእሲኡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ሶማሊላንድ ዝተፈጥረ ወጥሪ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። ገለ ወገናት ወይ ሚድያታት ከኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጺን ሶማልያን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ርክብ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍቱኑ’ዮም። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል?
እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሚድያታት ዘሎ ቃና፡ መብዛሕትኡ መሀውተቲ እዩ። ምዝንባዕ (Distortion) መጋገዪ ሓበሬታ (Dis Information) እየ ዝብሎ። ሎሚ ዲስቶርሽን ዲስ ኢንፎርሞሽን ሓደ ኣጽዋር እዩ ኮይኑ። ኣንጻር ኢትዮጵያ እንታይ ማለት እዩ? ‘ብዛዕባ ኣየነይቲ ኢትዮጵያ? ብዛዕባ ምንታይ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ?’ ምበልክዎ ኣነ ነቲ ከምኡ ዝብል ዘሎ። ንኢትዮጵያ ሓሊኻላ ዲኻ ዋላ ከተጣቚስ ኢኻ ትደሊ ዘለኻ? ሰለስቲአን ሃገራት ተኣኪበን ከምዚ ኢለን፡ ተማኺረን እናበልካ ዲስቶርሽን እናሓወስካ ዝተፈላለየ ትንታነታት ይቐርብ እዩ። እዚ ምጥቛስ እምበር ካልእ ዕላማ የብሉን። ሓደ ኣመት ወይ ምልክት ናይ ደገ ኣጀንዳታት ድማ’ዩ። ናይ ብሓቂ ግዱስ ሰብ መጺኡ ነቲ ዘሎ ዞባዊ ኩነታት ከንብቦ እንተኽኢሉ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደመታ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ’ዩ፡ ብኸመይ? ግብጺ፡ ሶማልን ኤርትራን ብሓንሳብ ኮይነን ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሰርሓ? ኣየነይቲ ኢትዮጵያ’ያ ኢኻ ትብል ዘለኻ ኢሉ ብወድዓውነት ክሓትት ዝኽእል ሰብ ስለዘየለ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ምጥቛስ ትንታነታት ከም ንቡር እዩ ተወሲዱ። ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተገሊጹ፡ እናበሉ ንዕኡ ክፍሕሱ ዝውዕሉ ኣለዉ። እዚ ናይ ህውተታ ዘመተታት’ዚ ዓበይቲ ዓበይቲ ባጀለታት ዘለዎም ፈሊጣት ኣለዉዎ። ከምኡታት ክፍሕሱ ዝውዕሉ። ስለምንታይ በቲ እወታዊ ጐድኒ ዘይርእዩዎ? ስለምንታይ በቲ ሃናጺ ጐድኑ ዘይርእዩዎ? ስለምንታይ ከም ውዲት የቕርብዎ? ሽርክነት ኣንጻር ኢትዮጵያ ስለምንታይ? ኩሉ’ዚ ንካልእ ኣጀንዳታት ከገልግል ዝመጽእ ዘሎ ዘረባ እዩ።
ርክባትና ሓድሽ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ካብዚ ንግብጺ ንመላለሰሉ፡ ካብ ግብጺ ናብዚ ምስ ዝመጹ ሓለፍቲ ንዘራረበሉ ጉዳይ፡ ሓደ ኣርእስቲ እዩ። ርግኣት ናይዚ ዞባ። ርግኣት እንታይ ማለት እዩ? ዘይርግኣትከ እንታይ’ዩ፧ ብድላይካ ኣገላልጻ ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ። ንሕና ግን ቀጻሊ ንብሎ ዘይምውዳን እዩ (Imbalance) ኩሉ ግዜ ዘይምርግጋእ ዘምጽእ። ስለዚ እተን ኣብ ጎዶቦና ዘለዋ ሃገራት ንርግኣት ናይዚ ዞባ ዓቕመን ከበርክታ ኣለወን። ንግብጺ ግብእኩም ኣበርክቱ ንብሎም። ነቐፌታዊ ኣቀራርባ በሎ ድላይካ በሎ፡ እታ ናይ መወዳእታ ዕላማ ግብጺ ኣብዚ ዞባ’ዚ፡ ወይ ኣብዚ ጐደቢ’ዚ፡ ኣበርክቶኣ ክትገብር ምእንቲ ክትክእል እዩ። ስዑዲ ኣበርክቶኣ ክትግበር ኣለዋ። እተን ካልኦት ናይዚ ዞባ ሃገራት እውን ኣበርክቶአን ክገብራ ኣለወን። እቲ ብደገ ዝመጽእ ዘሎ ኣጀንዳታት፡ ንናይ ደገ ምትእትታው መዓጹ ዘርሑ ዘሎ ኣካዪዳታት ክንቆጻጸሮ ክንክእል ኣለና። ሽግራትና ባላትና ክንፈትሕ ኣለና። ብነንበይኑ ዛዕባታት ዝግበር ምትእትታዋት ክንድሮት ኣለና። ልዕሊ 30 ዓመታት ዝረብረብናሉ ጉዳይ ድማ እዩ።
ማያት ኣሎ ከም ጸጋ ኣብዚ ዞባ’ዚ፡ ብኸመይ ክእለ ክኽእል ኣለዎ? ትዘራርበሉ። ስለምንታይ’ዩ ናይ ናይል ጉዳይ ኣሰሓሓቢ ወይ ኣጋጫዊ ዝኸውን? በየን በየን እዩ ዝመጽእ ዘሎ እዚ ጸገማት’ዚ? ግብጺ ምስ ኤርትራ’ዶ ምስ እከለ ኮይኖም ኣንጻር ኢትዮጵያ ንምንታይ? ነዚ ምጥቛስ’ዚ ምኽንያት ካብ ዝኸውን ዘሎ ሓደ ናይ ሚለንዮም ዳም እዩ። ከም ዛንታ ሰብ ክፈልጥ ምእንቲ፡ ብዛዕባ ናይል ብዙሕ እዩ ዝዝረብ። ኣብ ቃልሲ እንከለና ናይ ጣና በለስ ፕሮጀክት ዝበሃል ነይሩ። ሓንቲ ኩባንያ ናይ ሳሊኒ ዝበሃል ትካል ትሰርሖ። እንታይ ኣጀንዳታት ነይሩዎ? እንታይ’ዩ ዕላማኡ? እንተኢልና ካልእ ጉዳይ እዩ። ምናልባት ምስ ግዜ ክዝረበሉ ይከኣል ይኸውን። እቲ ዘረባ መወዳእታ ዘይብሉ’ዩ ነይሩ። ግብጺ ብመትረብ ስውዝ መስመር ዘርጊሓ ንእስራኤል ማይ ክትሸጠላ’ያ፡ ነዚ መትረብ’ዚ ዝሰርሕ ከኣ፡ ኩባንያ ሳሊኒ’ዩ ይበሃል ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት’ዩ። ኣብ 1993 ኣነን መለስን ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ካይሮ-ግብጺ ክንሳተፍ ከይድና። እዚ ዛንታ ብፍላጥ’የ ዘምጽኦ ዘለኹ። ሰብ መረዳእታ ምእንቲ ክህልዎ። እንታይ’ዩ ሚለንዮም ዳም? እንታይ’ዩ ናይ ናይል ጉዳይ? እንታይ ማለት’ዩ ግርጭት ኣብ መንጎ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን? ምእንቲ ክንርድኦ።
ሽዑ መለስ “ስማዕስከ፡ ከምዚ ሰሚዕካዶ?” ይብለኒ።
“ንሰምዕ’ወ ወረ ደኣ መሊኡ።”
“ግብጺ ንእስራኤል ማይ ክትሸጠላ’ያ፡” ይበሃል ኣሎ እሞ ምስዞም ግብጺ እንተተዛረብኩሉ እንታይ ይመስለካ?”
“ኣንታ መለስ፡ ብኻልእ ጉዳይ ኢና መጺእና፡ ሕጂ ኢና ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ኣኼባ ንሳተፍ ዘለና። ሎሚ መጺእካ ብዛዕባ ዝነፍስ ዘሎ ቤላ ቤሎው ምስኣቶም ምዝራብ ኣየድልን እዩ። ዓበይቲ ጉዳያት ኣለውና ንዕኦም ሰሪሕና እንተኸድና ይሕሸና።” ምስ በልክዎ “ሓቅኻ ኢኻ፡ ጽቡቕ ኣለኻ።” ኢሉኒ። ድሓር ግን ናይ ቀትሪ መደብ ወዲእና ኣብ ሳሎን ኣብቲ ሎቢ ኮፍ ኢልና ከለና፡ ነዲሩ መጺኡ።
“እሂ’ታ መለስ እንታይ ኰይንካ?”
“ከምታ ዝበልካኒ ከይገብርሲ ከይደ ንዑመር ሱሌይማን እንድየ ረኺበዮ ተዛሪበዮ።”
“ኣንታ መለስ፡ ኣየድልየናን ተባሃሂልና ከለና፡ ሕራይ ኢልካኒስ መሊስካ ከይድካ ትዛረቦ።”
“እንታይ ኢሉኒ ይመስለካ?”
“እንድዒ እንታይ ፈሊጠ ኣነ፡ እንታይ ተበሃሂልኩም። እቲ ዘረባ ግን ከተልዕሎ ኣይነበረካን። ክትቀርቦም ኣይነበረካን። ማይ ንእስራኤል ትሸጡ ኣለኹም ኢልካ ክትዛረብ ቦታኡ፡ ኣጋጣምነቱ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይረኣየንን’ዩ።”
“እንታይ ኢሉኒ’ኸ መስለካ?”
“እንታይ ኢሉካ?”
“መን ኢኻ ንስኻ ኢሉኒ. . .ድሓን ከርእዮ እየ. . . ከንበርክኾም እየ።”
በዚ ዝጀመረት፡ እታ ነገር ማዕቢላ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምሕዳስ ዝበሃል መጺኡ። ንምንታይ? ምስቲ ናይ ናይል ጉዳይ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ከነሐይል ምእንቲ ተባሂሉ። ድሕሪኡ ናይ ሚለንዮም ሓጽቢ ዝበሃል ጉዳይ መጺኡ። ከምቲ ቱርኪ ንዒራቕን ሶርያን ዘንበረከኸቶም ነዚኦም ከንበርክኾም እየ ተባሂሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሓሳብ ሓደ ሰብ ከምጽእ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ናበይ ክኸይድ ይኽእል። ድሕሪኡ፡ ሚግ ንቡልጋርያ፡ ሩማንያ፡ ስደደን ኣዕርየን፡ ኣሐድሰን ሓይሊ ኣየር ከምዚ ግበር እናተባህለ ናብ ካልእ ከይዶም። ናቱ ጌጋ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ነቲ ኣጀንዳ ሒዞሞ ዝጸንሑ ሓይልታት ነይሮም እዮም። ናብዚ ጐደቦ መጺኦም፡ “ሚለንዮም ዳም ባዕልና ከነስርሓልካ ኢና” ኢሎሞ። ኣብ 2011 እቲ ሓጽቢ ክጅመር ከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ። መቐጸልታ ናይ ጣና በለስ ፕሮጀክት’ዩ ነይሩ። ድሕረኡ ኣርእስትታት መጺኦም ተላዒሎም። ናይ ሰቲት እውን ነይሩ። ሰቲት ደሓር ገዲፍናዮ። ካልእ ኣርእስቲ እዩ። ሚለንዮም ዳም ስለምንታይ መጺኡ? እቲ ሓሳብ መን’ዩ ኣምጺእዎ? ኣብ መወዳእታ’ኸ እንታይ እዩ እቲ ዕላማ? ምእንቲ ኣስፍሕ ኣቢልና ክንርእዮ እየ።
ካብዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት፡ 6 ሽሕ ሜጋዋት ከነፍሪ ኢና ተባሂሉ። 6 ሽሕ ሜጋዋት ንኢትዮጵያ እንታይ’ዩ? ዋላ ሓንቲ። ስለምንታይ ብኡ ምኽንያት ምስ ሱዳንን ግብጽን ናብ ዘየድሊ ግጭት ትኣቱ? ማይ ድዩ ተሳኢኑ? ኤለክትሪክ ድዩ ኣገዳሲ ኮይኑ? ክንሸይጥ ኢና ንእከለ ንእከለ፡ 6 ሺሕ ሜጋ ክንዲ ርብዒ ጠለባት ኢትዮጵያ እውን ኣይከውንን እዩ። ኢትዮጵያ ካብኡ ዝዓበየ ክህልዋ ይግባእ። ኢትዮጵያ ብምልእታ ክትለምዕ ምእንቲ፡ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ዘይኰነ 30 – 40 ሽሕ እውን እንተኾነ ክህልዋ ይግባእ። ብኸምዚ ዘይጠቅም ነገር ናይ ሚለንዮም ዳም ኢልካ ምስ ጐረባብትኻ ኣብ ኲናት ትኣትወሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን። እዚ ኩሉ ዘምጽኦ ዘለኹ ዝርዝራት ንምንታይ’ዩ፡ ነቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝብል ዘረባ ንምብራህ እዩ። እንታይ ዝገበረት ኢትዮጵያ እያ? ኢትዮጵያ ክትረግእ የብላን? ሰላም ክትረክብ የብላን? ስለምንታይ ንኢትዮጵያ ትሻረኸላ? ስለምንታይ ንእከለ ጸዊዕካ፡ ንእከለ ዓዲምካ ኣንጻር ኢትዮጵያ ትሰርሕ? ንምንታይ ኣብ ከምኡ ንኣቱ? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃውታቲ ኣተሓሳስባ ዘአቱ ምኽንያት የብልናን። ናይ ምትሕብባር ናይ ምትሕግጋዝ፡ ናይ ምምልላእ ዝበሃል ኣጀንዳ እንድሕሪ ኣሎ ምስ ኩሉ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ’ዩ ናብ ዲስ ኢንፎርማሽንን ዲስቶሪሽንን ዝኸይድ ዘሎ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ንናይ ደገ ኣጀንዳ ከሳስዩ ምእንቲ፡ ከመይ ገይርካ ተጋውሖም? ከመይ ገይርካ ተጣቚስ? ከመይ ገይርካ ተናቚት? እቲ ስራሕ ቀሊል ነገር እዩ ንዓታቶም። ብዜና እናምሰልካ ብዝተፈላለየ መገዲ፡ እዚኣ ንበዓል እገለ ትምልከት’ያ እናበልካ ምጥቛስ’ዩ እቲ ዕላማ። ንምንታይ ናቶም ኣተሓሳስባ ክህልዎም ይኽእል’ዩ። ናታቶም ልኡላዊ ሕርያታት ኣለዎም። ንሕና ግን መመሊስካ ኣብ ዘየድሊ ምንቛትን ህውከትን እንታይ ዘአቱ ኣለና።
ትማሊ ሕጂ ንቡርሃን “ክንሕግዘካ ኢና” ኢሎሞ….ከምዚ ኢሎሞም ተባሂሉ። ኩሉ’ዚ ዲስቶርሽን እዩ። ምጥቛስ ዋኒን እዩ ኮይኑ። ሞቚሽሽ ካብዝን ካብትን ትረክብ እንድሕሪ ኰይንካ፡ ብድሕሪት ጠውዮም ዝህቡዃ እንተኾይኖም ተጣቚስ። ከመይ ገይርካ ተጣቚስ? ቃላት ትመርጽ፣ ኣቀራርባ ተጸብቕ፣ ትደግም ትደጋግም፣ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ትገብር። ድሕሪኡ፡ ከም ሓቂ ይውሰድ። ሽዑ ናብ ዝደለኻዮ ተማእዝኖ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸወታት ከይንኣቱ ነዊሕ ጉዕዞ ስለዝኸድና፡ ኣይንግራህን ኢና። እዚ ዝተጠቕሰ ርክባት ግን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዘዛምድ ነገር የብሉን። ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ባዕሉ ኣብ ፍሉይ ሽግር እናሃለወ፡ መሊስካ ተጋድዶ፡ ንናይ መን ረብሓ? ኣብ ኢትዮጵያ ዘሰክፍ ኩነታት እንተድኣ ኣሎ ንኩላትና ዘሰክፍ እዩ። ከመይ ገይርና ንኣልዮ ድማ ንዛረበሉ። ምስጢር ኣይኮነን። ተሓባቢርና ወይ ተኣኪብና መጺእና ኣንጻር ኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኢና ዝብለካ ግን፡ ብዘይካ ርእሱ ዝሓመመ ከምኡ ዝሓስብ የለን። እዚ ከምዚ ዓይነት ምጥቛስ ብናትና ዜና ይኹን ብዝተፈላለየ ካልእ እነካይዶም ጐስጓሳት ክንምክቶ ዘለና እዩ። ቀጻሊ ምዝንባዕ፡ ቀጻሊ ምጥምዛዝ፡ ልምዲ ወይ ባህሊ እናኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ መኸተ የድልዮ። ኣይፋሉን ከምዚ ዝበሃል የለን፣ ሓሶት እዩ፣ ሓቂ ኣይኮነን፣ እቲ ሓቂ እዚን እዚን እዩ ኢልካ ክትገልጽ ክትክእል ኣለካ። ኣኼባ ስለዝተገብረ፡ ቀርቂርካ ቀራቒርካ ኣብ ጸቢብ ዓውዲ ኣእቲኻ እዚ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ’ዩ ምባል፣ ንዕኡ መመሊስካ ምግዋሕ፣ ምስ ካልኦት ኣርእስታት ደሚርካ ደማሚርካ፡ ኣብ መወዳእታ ምጥርጣር ዘይምትእምማን ምፍጣር፣ ከይድካ ከይድካ ናይ ምንቛት ስራሕ እዩ።
ናይ ሚለንዮም ዳም ዝበሃል ይኹን ተፋሰስ ኒል ዝተፈላለዩ ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ዝለዓሉ ነንበይኖም ዘረባታት፡ ናይ መን እዮም እንተድኣ ተባሂሉ፡ ናይቶም ዘቤታውያን ተዋሳእቲ (Local Acters) ኣይኮኑን። ብደገ ዝድረኽ ኣጀንዳታት’ዩ። ነዚ ጐደቦ እንብሎ ንሕና፡ ሰላም ከይረክብ ምእንቲ፡ ቅሳነት ከይረክብ ምእንቲ፡ መመሊስካ ሓዊ ኣእትወሉ ሓዊ ረኲዓሉ ስለዝዀነ፡ ንሕና ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ኣይንኽእልን። ክንምክቶ ዘለና እዩ። ከመይ ገይርና ንምክቶ ሓቂ እናቕረብና፡ ሰብ እቲ ሃናጺ ዕላማታትና ከምዝርድኦ እናገብርና። እዚ ሓደ ካብ ቀዳምነታት ናይ መኸተና ስለዝኾነ፡ ሱቕ ኢልና ጐሲናዮ ኣይንሓልፍን ኢና። ወይ ሰሚዕና ትም ኢልና ኣይንኸይድን ኢና። ሓቂ’ዩ ዝበዝሕ እዋናት ኣብ ዘየድሊ መኣዲ ኣይንዕደምን ኢና። ኣብ ዘየድልየና ቈይቊ ክንኣቱ ኣይንደልን ኢና። ሓሶት እናተዘርግሐን እናተጓውሐን ከሎ ግን ኣእዛንናን ኣዒንትናን ዓሚትና ትም ኣይንብልን ኢና።